ሰባት ብዛዕባ ጾታውነትን ጥዕና ዘለዎ ፍርያምነትን ዝምልከት ብ 17 ቋንቋታት ሓቀኛ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ Zanzu.nl ክበጽሑ ይኽእሉ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ሕግታትን ስርዓታትን ከምኡ’ውን ክንክን ጥዕና ብኸመይ ኣብ ኔዘርላንድስ ይሰርሕ ዝብል ሓበሬታ ይህብ እዩ። ኣብ ነቚጣ መርበብ ሓቤረታzanzu.nl/hulp፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣርእስቲ ሓገዝን ክንክንን ዝህባ ትካላት ክትረኽቡ ኢኹም።
ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ zanzu.nl ነቶም ሞያውያን፡ ምስ ድሕረ ባይታን ድሌትን ዓማዊሎም ዝሰማማዕ፡ ባህላዊ ሓበሬታ ዝሓቘፈ ዕድል ይህብ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ zanzu.nl/professionals ኣንብቡ።
ኣብ’ዚ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ ዝርከቡ ሓበሬታ፡ ብሮጀርስን ብሓገዝ ናይቶም ካብ ፊዮም (Fiom)፡ ንጉሳዊ ትካል መሕረስቲ ኔዘርላንድስ፡ ማሕበረሰብ ክኡላታት ምንጻል ጥንሲ ኔዘርላንስ፡ ኣብ ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማን ማዕዳ ዝህብ ሆላንዳዊ ትካል (Soa Aids Nederland) ከምኡ’ውን ፋሮስ (Pharos) ዝኾኑ ክኢላታትን፡ ምስ ናይ ኔዘርላንድስ ኣምር ከምዝሰማምዑ ኰይኖም ተዳልዮም ኣለዉ።
Zanzu.nl፡ ብምትሕብባር ሰንሶያ (Sensoa) (ማእከል ክኢላታት ጾታዊ ጥዕና ፍለሚሽ)፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ጀርመን ኣብ ምሕያል ጥዕና ዝነጥፍ ትካል ፈደረሽን ጀርመን፡ ከምኡ ድማ ሮጀርስ (Rutgers)፡ ኣብ 2018 ዝማዕበለ እዩ።
ምምዕባል ናይ’ዚ ነቚጣ መርበብ ሓቤረታ እዚ፡ ብሓገዝ ሚኒስትሪ ጥዕናን ድሕነትን ስፖርትን፡ ብፋሮስ (Pharos) ብGGD GHOR ከምኡ ድማ በቲ ኣብ ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማt ማዕዳ ዝህብ ሆላንዳዊ ትካል (Soa Aids Nederland)እዩ ግብራዊ ኰይኑ።
ብዛዕባ ሮጀርስ
ሮጀርስ (Rutgers)፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ርከብ ማእከል ጾታውነት እዩ። ብዛዕባ ጾታውነትን ጥዕና ዘለዎ ፍርያምነትን ዝምልከት፡ ኣብ ኔዘርላንድስን ኣብ ወጻኢ ሃገርን ንስርሕ ኢና።
[ነቚጣ ኣርእስቲ=”ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሮጀርስ” ኣብ’ዚ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ ተወከሱ፡ link=”https://rutgers.international/about-rutgers/” target=”_blank” /]