ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ብዛዕባ ጥዕና ሓበሬታ እንተደሊኹም፡ ማለት ናይ ጥዕና ጸገማት ምስ ዝህልወኩም ወይ ኣብ እዋን ህጹጽ ረዲኤት ምስ እትህልዉ፡ ብዙሓት ክሕግዛኹም ዝኽእላ ኣገልግሎታትን ሞያውያንን ኣለዋ።

ናበይ ክትከዱ ከምዘለኩም ዝውስኖ፡ ትነብሩሉ ቦታን ኵነታት ዑቕባኹም እዩ። ኣብ ኔዘርላንድስ፡ እንድሕር ሓሚምኩም፡ ቅድሚ ኹሉ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ተወከሱ። ኣብ ርእሲ ሓኪም ናይ ስድራቤት፡ ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ንኣብነት ኣብ ሆስፒታላት ዝርከቡ ፍሉያት ሓካይም ኣለዉ። ብዛዕባ ሓደ ክፍሊ ኣካላት፡ ንኣብነት ብዛዕባ ልቢ ወይ ሳንቡእ፡ ወይ’ውን ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ሕማም ኣፍልጠት ኣለዎም። ኣብ ርእሲ’ዞም ሓካይም፡ ናብ ሓካይም ስኒ ክትከዱ፡ ናብ እንዳ መነጽር ዓይኒ ከድኩም ኣዒንትኹም ክትምርመሩ፡ ናብ እንዳ መሕረስቲ፡ ክንክን ዝህብ ክፍሊ፡ ትካል ክንክን መንእሰያት፡ ወይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ክትከዱ (GGD) ትኽእሉ። ንኸም ግብራዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ዝኣመሰሉ ዘይሕክምናዊ ክንክናት፡ ንማሕበራዊ ሰራሕተኛ ብምባል ናብ ትካል ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ናብ ሓኪም እትኸይድ ጓለንስተይቲ

ነባሪት ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ (AZC)

ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ፡ ኩነታት ዕቑባኦም ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ንዝርከቡ ኩሎም ሓተትቲ ዕቑባ ናይ ሕክምና ክንክን ይህብ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ፡ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ መሕረሲት ወይ ከኣ ንሕክምና መንእሰያት ከማኽሩን ናብ ሆስፒታል ክለኣኹን ይኽእሉ እዮም። ሓተትቲ ዕቑባ ህዝቢ ኔዘርላንድስ ዝረኽቦ ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም፡ ከምኡ’ውን ናጻ መድሕን ይወሃቦምን ዋላ ሓንቲ ዝኸፍልዎ የብሎምን። ነቶም ክሳዕ 18 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ናኣሽቶይ ሰባት፡ ሕክምና ስኒ እውን ብናጻ ይወሃቦም።

ኩሎም ሕክምናዊ ጸገም ወይ ሕቶ ዘለዎም ሓተትቲ ዕቑባ፡ ኣብ እዋን ናይ ምኽሪ ሰዓታት ናብቲ ማእከል ክቕልቀሉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ መጀመርያ ምኽሪ መብዛሕቲኡ ግዜ ተሓጋጋዚ ሓኪም እዩ ዝህበኩም። ብነርስ ወይ ብሓፈሻዊ ሕክምና በዓል ሞያ ክትረኣዩ ዘድልየኩም እንተኾይኑ፡ እቲ ተሓጋጋዚ ሓኪም ክውስነልኩም እዩ። እቲ ተሓጋጋዚ ሓኪም ቆጸራ ከትሕዘልኩም እዩ። ናብ ሆስፒታል እውን ክትለኣኹኽ ትኽእሉ ኢኹም።  

ናይ ነባርነት ፍቓድ እንድሕር ዘይብለይ ኮይኑ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ኩሎም ’ቶም ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይ ቅቡል ናይ ነባርነት ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝጸንሑ ሰባት፡ ኣብ “ዘይምዝጉባት” ይምደቡ። ዘይምዝጉባት ሰባት ንገዛእ-ርእሶም ናብ ክፍሊታት ክንክን መድሕን ከእትዉ ኣይኽእሉን’ዮም፡ ይኹን እምበር ሕክምናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። 

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝነብሩ (ዕቑባ ዝተፈቕደሎም ሰባት)

ሓደ ሓታቲ ዕቑባ፡ ፍቓድ መንበሪ ምስተዋህበ፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ወናኒ ኩነታት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓተትቲ ዕቑባ ዝቕበል ማእከላይ ትካል (COA)፡ ናብ ምምሕዳር ከተማ መዲብኩም ኣሎ። ናብ ምምሕዳር ከተማ ምስ ገዓዝኩም፡ ኣብ መድሕን ጥዕና ክትምዝገቡ ኣለኩም። ኣብ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ፡ እዚ ብእኩብ እዩ ዝውደብ። ነዚ ዝምልከት ሓገዝ ምስ ዝድልየኩም፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ቤት ምኽሪ ሆላንድ ተወከሱ። ብድሕሪ እዚ፡ ኣብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ክትምዝገብ ትኽእልሉ ኢኹም። ናይ ባዕልኻ ናይ መድሕን ብጽሒትን ካብ ናይ ጥዕና መድሕንካ ዛይዱ ዝመጽእ ክፍሊትን፡ (eigen risico) ባዕልኹም ትሽፍኑ፡ ከምኡ’ውን ሓላሓሊፉ ዝመጽእ ናይ ኣፋውስን ሕክምናን ወጻኢታት (eigen bijdrage) ብጽሒትኩም ባዕልኹም ትኸፍሉ።

ሕክምናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕክምና እንታይ ማት እዩ፧

ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ንኹሎም ሰባት፡ ዋላ ነቶም ናይ ነባርነት ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት መሰረታዊ መሰል እዩ። ሕክምናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል፡ ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ እዩ። 

እቲ ሕክምናዊ ክንክን ኣገዳሲ ምዃኑን ዘይምዃኑ፡ እቲ ሓኪም እዩ ዝውስኖ። ኣብ ሕክምናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕክምና ዘሎ ኣገልግሎት፡ ካብ’ቲ ኣብ ሆስፒታል ህጹጽ ረድኤት ሕክምና እትረኽቦ ንላዕሊ ይዛይድ። እዚ ኣብ ሆስፒታል ወይ ከኣ ካብ ሓኪም እትረኽቦ ፈዋሲ ከምኡ ድማ ተኸላኻሊ ሕክምና ክኸውን ይኽእል። ብመትከል፡ ኣገዳሲን ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ዝሓዘ እዩ። እዚ፡ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ናይ ምንጻል ጥንሲ ምኽሪ ከጠቓልል ይኽእል።

እቲ ሓኪምን ካልእ በዓልሞያ ክንክን ጥዕናን፡ ምስጢርኩም ናይ ምሕላውን ነቲ ብዛዕባኹም ዝገልጽ ብምስጢር ዝተሓዝ ሓበሬታ ናይ ምዕቃብን ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎም። 

ናይ ክንክን ጥዕና ወጻኢታት ክትሽፍኑ ዘይትኽእሉ እንተኮይንኩም፡ እቲ ሓኪም ወይ ኣቕራቢ ናይ’ቲ ሕክምና፡ ነቶም ወጻኢታት ንቤት ጽሕፈት ማእከላይ ምሕደራ ከፍልጥ እዩ። ገለ ሆስፒታላትን ቤት መሸጣ መድሓኒታትን፡ ምስ ጽሕፈት ማእከላይ ምሕደራ ናይ ኮንትራት ውዕል ኣለወን። ናበየናይ ሆስፒታልን ቤት መሸጣ መድሓኒትን ክትከዱ ከምዘለኩም፡ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ሕተቱ።

ሕክምናዊ ኣገዳሲነት ዘለዎ ሕክምና ንምርካብ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ብዘይ ናይ ነባርነት ፍቓድን ብዘይ ናይ ጥዕና መድሕንን፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ትነብሩ እንተሃሊኹም፡ ሕክምናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም። ንሂወትኩም ኣብ ሓደጋ ዘየእተወ ጸገማት ሕክምና ንምርካብ፡ ንሓፈሻዊ ሓኪም ክትውከሱ ትኽእሉ፡ ወይ ድማ ኣብ’ቲ እትነብርሉ ከባቢ፡ ኣብ ግዜ ምሸት ወይ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ነቲ ኣብ ህጹጽ ሰዓታት ኣገልግሎት ዝህብ ሕክምና (huisartsenpost) ክትውከሱ ዝከኣል እዩ። እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ተወሳኺ ምርመራታት መታን ክግበረልኩም፡ ናብ ክኢላ ሓኪም ክልእከኩም ይኽእል እዩ። ነዚ ከኣ መሰነይታ ደብዳበ ክትቅበሉ ኢኹም። ኣብ እዋን ሓደጋታትን ንሂወት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ኩነታትን፡ ናብ’ቲ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ሓደጋን ህጹጽ ረድኤትን ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ንፈሲ-ወከፍ ሆስፒታል ከምዚ ዝበለ ክፍልታት ኣለዎ፡ ናይ መሰነይታ ደብዳበ ከኣ ኣየድልየኩምን እዩ። ኣምቡላንስ እንተ ደሊኹም፡ ናብ ቊጽሪ ቴለፎን 112 ብናጻ ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ነባራይ ፍቓድ ምስ ዝህልወኒ፡ እንታይ መሰላት’ዩ ዘለኒ፧

ናይ ነባርነት ፍቓድ ምስ ዝህልወኩም እሞ ኣብ ሓደ ካብ ማእከላይ ሓተትቲ ዑቕባ ምስ እትነብሩ፡ ’ኣብ’ቲ ማእከል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ካብ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ምምሕዳር ከተማ ምስ እትሰግሩ ’፡ ኣብ ወሃቢ መድሕን ጥዕና ምስ እትምዝገቡ፡ ናይ መድሕን ጥዕና ካርድ ትቕበሉ። ካብኡ ንዳሓር፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማኹም ዘሎ ክንክን ጥዕና ክትጥቀሙ ከምኡ ድማ ኣብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም። 

እቲ በዓል ሞያ ክንክን ጥዕና፡ ቋንቋይ ዘይዛረብ እንተኾይኑኸ፧

ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ እትጸንሕሉ ግዜ ’፡ ምስ በዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ኣብ እትገብርዎ ምብህሃል ዝሕግዘኩም ትርጁማን ኣለኩም።

ዕቑባ እንድሕር ተፈቒዱልኩም፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትነብር እንተሃሊኹም፡ ናብ ሓኪም ወይ ሆስፒታል ኣብ እትኸደሉ እዋን፡ ትርጁማን እንተደሊኹም እንታይ ክትገብሩ ኣለኩም፧ ኣብ ከምኡ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ትርጁማን ዝኽፈል ክፍሊት እቲ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕና ይሽፍኖ። እዚ ንምግባር፡ እቲ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕና (በዓል ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ሆስፒታል ወይ ከኣ ካልእ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕና) ኩሉ ግዜ ምስ ትርጁማን ወይ ከኣ ምስ ናይ ትርጁማን ኣገልግሎት ፍሉይ ምስንዳእ ኣለዎም። ከም መጠን ወናኒ ኩነታት ማዕዳ ወይ ከኣ ሕክምና ንምርካብ ናብ በዓል ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ክትከዱ እንከለኹም፡ ብሌፎን ናይ ትርጁማን ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም። ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከተማ ምስ ተመዝገብኩም ክሳዕ 6 ወርሒ እትገብሩ እዚ መሰል ኣለኩም። 

ብዛዕባ እቲ ትርጁማን እዞም ዝስዕቡ ክትፈልጡ ኣገዳሲ እዩ፡-

  • ሞያዊ ሚስጢራዊነት ናይ ምሕላው ግቡእ ኣለዎም
  • እቲ ናይ መጀመርያ ሰብ ክዛረብ እዩ (“I”)፡
  • ዘይሻራዊ እዩ፡ ከምኡ ድማ እቲ ዝተባህለ ነገር ከይወሰኸን ከይቀየረን ከየጉደለን ይትርጉም፡
  • ንተሓካሚ ካብ ክፍሊት ናጻ ኣገልግሎት እዩ ዝህብ። 

እቲ ናይ ክንክን ጥዕና በዓል ሞያን እቲ ዓሚል ዝዘራረቡዎ ዝትርጉም ትርጁማን ዝብልዎ ዘለዉ