መርዓ
ኣብ ኔዘርላንድስ መን ክምርዖ ይኽእል፧
ኣብ ኔዘርላንድስ ክትምርዖ ዝከኣል፡ ሓደ ካብ መጽምዲ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ኣለዎ፦
- ናይ ኔዘርላንድስ ዜግነት ምስ ዝህልወኩም፡
- ኣብ ኔዘርላንድስ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወኩም።
ወዲ-ተባዕታይን ጓለንስተይቲን ኣብ ኣዳራሽ ከተማ እናተመርዓዉ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ንምምርዓው ክማልኡ ዘለዎም ካልኦት ረቛሒታት
- ክልቲኦም መጻምዲ መርዓ ዘይብሎም ወይ ዝተፋትሑ (ብሕጊ ዝቛረጸ መርዓ) ክኾኑ ኣለዎም።
- እቶም መጻምድቲ ቀረባ ናይ ስጋ ዝምድና ክህልዎም የብሉን (ንኣብነት፡ ሓውን ሓውቲን፡ ሓው ንሓው፡ ሓፍቲ ንሓፍቲ ክማራዓዉ ኣይክእሉን)።
- ክልቲኦም መጻምዲ ዕድሜኦም 18 ዓመት ዝመልኡ ክኾኑ ኣለዎም።
ሓደ ካብቶም መጻምዲ ኣብ ኔዘርላንድስ ዘይነብር እንተኾኑ፡ ወይ ቅቡል ናይ ነባርነት ፍቓድ እንድሕር ዘይብሉል ተወሰኽቲ ረቛሒታት ኣለዉ።
ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ
ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ኔዘርላንድስ ሕጋዊ ኰይኑ።
ሓደ ካብቶም መጻምዲ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ ኣፍልጦ ናይ እትህብ ሃገር ዜጋ እንተኾይኑ፡ ናይታ ሃገር ሕጊ ኣብ ግብሪ ይውዕል። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ፡ ናይ’ቲ ካልእ መጻምዲ ሃገር ሕጊ ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን። ንኣብነት፦ ካብ’ታ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ እትኽክልል ሃገረ ኡጋንዳ ዝዀነ ወዲ-ተባዕታይ፡ ንወዲ ኔዘርላንድስ ወይ ንወዲ ንዜጋ ናይ’ታ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ እተፍቅድ ሃገር ወዲ ክምርዖ ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ናይ ኡጋንዳ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን።
ብዛዕባ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኹም፡ ንናይ ሕጊ በዓል ሞያ ኣዘራርቡ። ኣብዞም ጉዳያት ተመኩሮ ዘለዎ በዓል ሞያ ሕጊ ንምርካብ ናብ Switchboard ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።
2 ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ እናተመርዓዉ
ናጻ ምርጫ
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ንመን ይምርዖ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣለዎ። ግዴታዊ መርዓ ብሕጊ ክልኩል እዩ።
ሓደ ሰብ ንካልእ ሰብ ብዘይ ፍቓዱ ክምርዖ ምስ ዘገድዶ፡ እቲ ኣስገዳዲ ተርእዮ ዋላ ኣብ ወጻኢ ሃገር የጋጥም፡ ክሳብ 2 ዓመት ዝጸንሕ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ክፍረድ ይኽእል። ዋላ እቲ መርዓ ብግብሪ ኣይፈጸም፡ እቲ ኣስገዳዲ ተግባር ጌና መቕጻዕቲ ዘኸትል እዩ። እቲ ኣስገዳድነት ዝበሃል፡ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ (ምፍርራሕ ወይ ከኣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ) ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ኣስገዳድ መርዓ ደረት 6 ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ግዳይ 18 ዓመት ምስ መልኦ ይጅመር። እዚ ማለት’፡ እቲ ግዳይ ክሳዕ 24 ዕድሜኡ ዝገብር ኣብ ዘሎ ግዜ ንፖሊስ ከፍልጥ ይኽእል ማለት እዩ።
ዝተሰናድአ መርዓ ዝበሃል፡ ወለዲ ወይ ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ንውላዶም መጻምዲ ክመርጽሉ እንከለዉ ማለት እዩ። ክልቲኦም መጻምዲ በቲ መርዓ ምሉእ ብምሉእ እንድሕር ተስማሚዖምዎ’ እንተወሓደ ደቂ 18 ዓመት እንተኾይኖም፡ እዚ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ መርዓ ይኸውን።
ምዝጉብ ርክብ
መጻምዲ ብሓደ ክዀኑሉ ዝኽእሉ ካልእ ሕጋዊ ቅጥዒ ድማ፡ ምዝጉብ ርክብ እዩ። (wettelijk samenwonen). ምዝጉብ ርክብ ዝበሃል ዳርካ ከም መርዓ እዩ ዝቑጸር፡ ከም መርዓ ድማ ንናይ ተመሳሳሊ ጾታ መጻምዲ እውን ዝከኣል እዩ። ኣብ ሞንጎ መርዓን ምዝጉብ ርክብን ክልተ ፍልልያት ኣለዉ፦ ናይ መርዓ ማሕላ ምውሳድ ክዴታ ዝዀነሉ ናብ መርዓ ክትኣቱ እንከለኻ ጥራይ እዩ፡ (“ኣነ ፍቓደኛ እየ”/ “ኣነ ክገብሮ እየ”) ከምኡ ድማ ምዝጉብ መርዓ ካብ ቤት ፍርዲ ከኽትም ዝኽእል ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ምስ ዘይህልዉ እዩ።
ብሓባር ናይ ምንባር ስምምዕ
ካብ መርዓን ምዝጉብ ርክብን ብተወሳኺ፡ ብሓባር ትነብሩ እንተሃሊኹም ብሓባር ናይ ምንባር ስምምዕ እውን ክትወዓዓሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሓቢርካ ናይ ምንባር ስምምዕ ብሳምዕ (ሳምዓት) ኣቢልካ ክትፍጽምዎ ትኽእሉ ኢኹም። ወግዓዊ ዝዀነ ናይ ሓባር ምንባር ስምምዕ፡ ግድነት ዝኸውን፡ እንተ ደኣ፡ ንኣብነት፡ ናይ’ቲ ብሂወት ዘሎ መጻምዲ ጥሮታ ወይ መልዕሎ ክትወስዱ ’ትደልዩ ኰይንኩም። ሓቢርካ ናይ ምንባር ስምምዕ ክትገብር እንከለኻ ንሳምዕ ዝኽፈል ክፍሊት ካብ ሳምዕ ናብ ሳምዕ ይፈላለ እዩ።