ምንዝርና / ሰራሕተኛ ፋይቶት
ምንዝርናወይ ሰራሕተኛ ፋይቶት ማለት ከም መተካእታ ናይ’ቲ ዝሃቡኻ ጾታዊ ርክብ ገንዘብ ወይ ኣቚሑ ምቕባል ማለት እዩ።
እታ/ቲ ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብን እቲ/እታ ዓሚልን ዕድሚኦም ልዕሊ 18 ወይ 21 ዓመት እንተድኣኾይኖም፣ ኣብ ሆላንድ ስራሕ ሽርሙጥና ሕጋዊ እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ምንዝርና ሕጋዊ ዝኸውን፡ ሰራሕተኛ ፋይቶትን ዓማዊሎምን ዕድሜኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ እንተኰኑ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድስ ዝርከባ ገለ ምምሕዳር ከተማታት፡ እቲ ዝተሓተ ዕድመ ምንዝርና 21 ዓመት ምዃኑ ወሲነናኦ ኣለዋ። ሰራሕተኛ ፋይቶትን ዓማዊልን፡ ዝዀነ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይኰኑን ዝገብሩ ዘለዉ። ይኹን እምበር፡ ምንዝርና ብብዙሓት ሕግታት ዝተሓጽረ እዩ።
ዕድሜኦም ትሕቲ 21 ዓመት ዝኾኑ ደቂ-ተባዕትዮ ወይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምንዝርና ክሰርሑልካ ምቑጻር ወይ ናብ ምንዝርና ንኽኣትዉ ምትብባዕ ከም ገበን’ዩ ዝቑጸር።
ኣስገዳዲ ምንዝርናን ንግዲ ደቂ-ኣዳምን ገበናዊ ተግባራት እዮም። ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን ህጻናትን ኣብ ምንዝርና ክኣትዉ፡ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኣዋልድ ዘስድዑ፡ ዝምዝምዙወን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓሶት ጥበራ ምስአን ዝምድና ዝጅምሩን ጸኒሖም ክምንዝራ ዘገድዱን ’መፍቀርቲ ዝበሃሉ ኣወዳት’፡ ንባዕሎም ገበናዊ ተግባራት’ዮም ዝፍጽሙ።

ሰራሕተኛ ፋይቶትን ዓማዊሎምን ኣብ ኣፍደገ እንዳ ኣመናዝር ይዘራረቡ ኣለዉ።
ገለ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ (ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት) ብናይ ባዕሎም ናጻ ድሌት ናብ ምንዝርና ይኣትዉ። እዚ እውን ክልኩል እዩ።
ኣንጻር ሰራሕተኛ ፋይቶት ዝግበሩ ኵሎም ዓይነታት ጎነጻዊ ተግባር ወይ ኣድልዎ ብሕጊ ክልኩላት እዮም።