ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ስእለ-ጽዩፍ

ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ኣብ ትሕቲ እተወሰኑ ረቛሒታት፣ ስእለ-ጽዪፍ ምርኣይ ይፍቀድ እዩ። ይኹን እምበር፡  ናይ ህጻናት ስእለ-ጽዩ ምርኣይ፡ ምውናን፡ ምስራሕ ወይ ከኣ ምዝርጋሕ ግን ከቢድ መቕጻዕቲ የስዕብ እዩ።

ሕጋዊ ዝበሃል እንታይ እዩ፧

እዞም ዝስዕቡ ምግባር ሕጋዊ እዩ፡-

  • ንበይንኻ ኮንካ ሕጋዊ ስእለ-ጽዩፍ ክትርኢ ትኽእል፡
  • ሕጋዊ ስእለ-ጽዩፍ ምዕዳግ፡
  • ሕጋዊ ክሳዕ ዝኾነን እቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ክሳዕ ዝተስማዕምዑን ስእለ-ጽዩፍ ክትሰርሕ ትኽእል።

ዘይሕጋዊ ዝበሃል እንታይ እዩ፧

እዞም ዝስዕቡ ምግባር ሕጋዊ ኣይኮነን፡-

  • ብዘይ ፍቓድ እቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ስእለ-ጽዩፍ ምስራሕ፡
  • ናይ ህጻናት ስእለ-ጽዩፍ ምስራሕ (ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘሳተፈ ፖርኖግራፊ)፡
  • ናይ ህጻናት ስእለ-ጽዩፍ ምዕዳግ፣ ምክፍፋል፣ ምውራድ/ ዳውንሎድ ምግባር ወይከኣ ምርኣይ።

መቕጻዕቲታት፡-

ንናይ ህጻናት ስእለ-ጽዩፍ ዝምልከት ገበን ዝፈጸሙ ሰባት እንተበዚሑ ናይ 4 ዓመት ማእሰርቲ ወይከኣ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ይብየነሎም። እዚ ከም ስራሕ ወይከኣ ቀጻሊ ልምዲ ኮይኑ እንተተረኺቡ ከኣ፣ እቲ ዝለዓለ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ 8 ዓመት ይኸውን።