ብሕታዊነት
ብሕታዊነት (ብስቱር ዝተሓዝ) ማለት፡ ንስኻትኩም ንሓደ ሰብ ናይ ምዝራብ መሰል ይህልወኩም እሞ፡ እቲ ሰብ ብዘይ ናታትኩም ስምምዕ፡ ነቲ ዝበልኩውሞ ውልቃዊ ሓበሬታ ናብ ካልእ ክስግሮ ከሎ ማለት እዩ።
ብሕታዊነት ኣብ’ዞ ዝስዕቡ ኵነታት ውሕስነት ኣለዎ፦
- ሓካይምን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ብሞያዊ ምስጢር ምዕቃብ ዝተቐየዱ እዮም። ብዛዕባ ተሓከምቶም ዝኾነ ሓበሬታ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይፍቀደሎምን። ኣብ ታሕታይ ኣብ ሕጊ ዝተገልጹ ገለ ኩነታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ነቲ ብኣነዋሪ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ዝዀነ ሕሙም ምሕላው።
- ማሕበራዊ ትካላት ንኣብነት ናይ ስራሕ ማእከል (UWV) ከምኡ’ውን ትካል ናይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ብሞያዊ ምስጢር ምዕቃብ ዝተቐየዱ እዮም።
-
ኣብ መደባት ስራሕ (ኣእምሮኣዊ) ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ክንክን ህጻናት፡ ማሕበራዊ ስራሕ፡ ናይ ህጻናትን በጽሒታትን ምቾት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሕጊ ንዝሰርሑ ትካላት፡ ናይ ዘቤታዊ መጥቃዕቲን ናይ ግህሰት ህጻናትን ምልክታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ጸብጻብ ናይ ምግባር ግቡእ ኣለዎም። እዚ ማለት ሞያውያን ከምኡ ዝበሉ ምልክታት ጸብጻብ ናይ ምልኣኽ ሞያዊ ግቡእ ኣለዎም ማለት እዩ።

ሓኪም፡ ሚስጢራዊ ሓበሬታኡ ንኻልእ ኣሕሊፉ ከምዘይህበሉ ንተሓካሚ እናረጋገጸሉ
ናይ በጽሒታት ብሕታዊነት
ክሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሜኦም ቈልዑ ኣብ ናይ ወለዶም መድሕን ጥዕና ብናጻ ይጥቀሙ፡ እዚ ንስሩዕ ፓኬጅ(basispakket) ከምኡ ድማ ንተወሳኺ መድሕን ጥዕና የጠቓልል። እዚ ብሕጊ ዝተወሰነ እዩ። ቈልዑ ናይ በይኖም መድሕን ጥዕና ምዕዳግ ኣየድልዮምን።
ናብ ናይ ሓፈሻዊ ሕክምና በዓልሞያኦም ዝገበሩዎ ምብጻሕ፡ ብሚስጢር ንኽተሓዘሎም፡ ህጻናት ነቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ካልእ ጸገም ከምዝኾነ ዝገልጽ መሕተቲ ክፍሊት ክጽሕፈሎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ እውን ዝከኣል እዩ።