ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ብንእስነትካ እንከለኻ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ናእሽቱ መንእሰያት፡ ዕድሜኦም ትሕቲ 16 ዓመት እንከለዉ፡ ጾታዊ ርክብ ከይፍጽሙ ሕጊ ይከላኸለሎም።

ዕድሜኡ ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ምስ ዝዀነ ቈልዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ከም ገበናዊ ተግባር እዩ ዝቘጸር፡ ይኹን’ምበር እቲ ሕጊ እዚ ኣብ ሞንጎ ናእሽቱ መንእሰያት ከም ዝርአ ንቡር ባህርያት ገይሩ እዩ ዝሓስቦ። እዚ፡ ነቶም ኣብ ማዕረ ዝዀነ ርክብ ዘለዉ መዛኑ ዘሻቕሎም እንተ ኰይኑ፡ ፍቑድ እዩ። እዚ ማለት፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት ወዲ፡ ምስ ጓል 15 ዓመት ጓል ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ቅቡል እዩ፡ ወይ ክልተ 14 ዓመት ዝዕድሜኦም ንሓድሕዶም ጾታዊ ርክብ ምስ ዝፍጽሙ ቅቡል እዩ። ስለዚ፡ ክልቲኦም ብሓባር እንተ ደልዮም፡ ዘሸግር የብሉን።  

ዕድሜኡ ካብ 12 ዓመት ንታሕቲ ምስ ዝዀነ ቈልዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ግና ገበናዊ ተግባር እዩ። 

ንመጀመርያ ግዜ ስጋዊ-ርክብ ዝገብሩ ዘለዉ ወዲን ጓልን