ናይ መጻምዲ ምርጫ
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ናቱ ወይ ናታ መጻምዲ ክመርጹ ናጻ እዮም፡ ከምኡ ድማ ንሱ ይኹን ንሳ ንመን ክምርዓዉ ከምዝደልዩ ባዕሎም ይውስኑ። ኣብ ኔዘርላንድ ክልቲኦም መጻምዲ ንኽምርዐዉ ዕድሜኦም 18 ዓመት ክመልኡ ኣለዎም። ትሕቲ ዕድመ እናሃለዉ ኣብ ወጻኢ ተመርዕዮም ናብ ኔዘርላንድስ ዝመጹ መጻምድቲ እንተ ነኣሱ 18 ዓመቶም ምስ መልኡ እዩ ሓዳሮም ብሕጊ ኣፍልጦ ዝረክብ።
ኣስገዳዲ መርዓ ብሕጊ ክልኩል እዩ ወዲ ኔዘርላንድስ ዝዀነ (ወዲ ካልእ ሃገር ኰይኑ ግና ቀዋሚ መንበሪ ኣብ ኔዘርላንድስ ዘለዎ)፡ ንሓደ ሰብ ኣንጻር ድሌቱ ወይ ኣንጻር ድሌታ ብሓይሊ ክምርዖ ምስ ዝደሊ፡ ክሳብ ን 2 ዓመት ዝጸንሕ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ክወሃቦ ይኽእል። እቲ ኣስገዳድነት ካብ ኔዘርላንድስ ወጻኢ ዝተፈጸመ ዋላ እንተኾይኑ፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ብሕጊ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ። ዋላ እቲ መርዓ ብግብሪ ኣይፈጸም፡ እቲ ኣስገዳዲ ተግባር ጌና መቕጻዕቲ ዘኸትል እዩ። እቲ ኣስገዳድነት ዝበሃል፡ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ (ምፍርራሕ ወይ ከኣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ) ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ዝምልከት ሕቶታት እነተለኩም ወይ ከኣ ደገፍ እንተደኩም፡ ምስ’ቲ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽን ዓመጽ ኣብ ቈልዑን ምኽሪ ዝህብ ትካል ክትራኸቡ ትኽእሉ።
ዝተሰናድአ መርዓ ዝበሃል፡ ወለዲ ወይ ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ንውላዶም መጻምዲ ክመርጽሉ እንከለዉ ማለት እዩ። ነዚ ዓይነት መርዓ’ዚ ክልቲኦም መጻምዲ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማምዕሉ ምስ ዝዀኑ፡ እሞ ድማ ክልቲኦም ብውሕዱ ደቂ 18 ዓመት ምስ ዝዀኑ፡ እዚ ከም ሕጋዊ መርዓ ይቑጸር .።

ንዝመረጸቶ መጻምዲ ብታሕጓስ እትሓቊፍ ጓለንስተይቲ