ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጾታዊ ባህሪ

ሕጊ ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ጾታዊ ባህሪ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ክግበር ኣይፈቅድን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ስራሕ፡ ዕረፍቲ፡ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎታት፡ ኣባይቲ።

ገለ-ገለ ገበናት (ከም ንብረት ምዕናው፡ ዘረባዊ ወይ ጎነጻዊ ተግባር)፡ እንተ ደኣ ኣብ ልዕሊ ግብረ-ሰዶማውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ግብረ-ሰዶማውያን ደቂ-ተባዕትዮ፡ ሰብ-ድርብ ጾታ ወይ ስግረጾታውያን ሰባት ብሕርቃን ተደሪኹ ተፈጺሙ፡ ብከቢድ ዘቕጽዕ እዩ። 

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ግብረ-ሰዶማውያን ደቂ-ተባዕትዮን ግብረ-ሰዶማውያን ደቂ-ኣንስትዮን መጻምዲ፡ ክመርዓዓዉን ብሕጋዊ መገዲ ሓቢሮም ክነብሩን ይኽእሉ፡ ወይ መሰል ምዝጉብ ወይ ሕጋዊ ሓዳር ክወስዱ ይከኣል። ክልተ ደቂ-ተባዕትዮ ወይ ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሓቢሮም ቈልዓ ክህልዎም ይኽእል።

ግብረ-ሰዶማያን ደቂ-ኣንስትዮ መጻምዲ ምስ ቀኡልዑተን

ብሰንኪ ጾታዊ ባህሪኹም ወይ ጾታዊ መንነትኩም፡ ግዳያት ጎነጻዊ ተግባር እንተ ኰይንኩም፡ ነዚ ክትገልጽዎ ወይ ናብ Roze in Blauw (ሮዛ ብሰማያዊ) ዝተባህለ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ክትሕብሩ ትኽእሉ። ብተወሳኺ፡ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ክትድውሉ፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብኢ-መይል ክትልእኩ፡ ወይ ንዝያዳ ሓበሬታ ምስ ሓደ ናይ ኤል.ጂ.ቢ.ቲ (LGBT) ሓገዝ ዝህብ Switchboard ዝተባህለ መስመር ብኢንተርነት ከተውግዑ ትኽእሉ።