ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ጎነጻዊ ተግባር ናይ መጻምድቲ ገበናዊ ተግባር እዩ።

ንመጻምድኻ ምህራም፡ ክሳብ ማእሰርቲ ዘፍርድ መቕጻዕቲ ከውርድ ይኽእል። እዚ ጎነጻዊ ተግባር እዚ ኣብ’ቲ ግዳይ ነባሪ መጕዳእቲ ምስ ዘስዕብ፡ እቲ መቕጻዕቲ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣካላዊ ጎነጻዊ ተግባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ መጥቃዕቲን ኣፋዊ ጎነጻዊ ተግባርን እውን መቕጻዕቲ የስዕቡ እዮም።

ንገዛእ ርእስኹም ኣብ ኵነታት ህጹጽ ረዲኤት ምስ እትረኽቡዋን ካብ ተወሳኺ ጎነጻዊ ተግባር ምስ እትፈርሑን፡ ናብ መዕቈቢ (Blijf van mijn lijf huis) ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዘቤታዊ ጎነጻዊ ተግባር ወይ ግህሰት ህጻን ክፍጽም ዘፈራረሐ ሰብ፡ ን 10 መዓልቲ ናብቲ ገዛ ከይኣቱ ዝኽልክል ዘቤታዊ መአገዲ (huisverbod) ክብየነሉ እዩ። እዚ ግዜ’ዚ፡ ብ 4 ሰሙን ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

ኣብ መላእ ኔዘርላንድስ፡ መዕቈቢን ደገፍን ዝህቡ ከም ብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽን ዓመጽ ኣብ ቈልዑን ምኽሪ ዝህብ ትካል (Veilig Thuis) ዝኣመሰሉ ፍሉያት ትካላት ኣለዉ። ክትድውሉሎም ወይ ከኣ ክትከድዎም ትኽእሉ ኢኹም። ናብ ፖሊስ፡ ሓኪም ወይ ቤት ፍርዲ ምሳኻትኩም ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። ንብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽን ዓመጽ ኣብ ቈልዑን ምኽሪ ዝህብ ትካል (Veilig Thuis) ከተዘራርቡ እንከለኹም፡ ስምኩም ምንጋር ኣየድልየክሙን እዩ። መንነትኩም ከይገለጽኩም፡ ሓገዝን ማዕዳን ከምኡ ድማ ናጻ ክፍሊት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ብተወሳኺ፡ ክሲ ንምምስራት ብቕልጡፍ ናብ ፖሊስ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ንሳቶም፡ ምስጢርኩም ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎም። ናብ ተወሳኺ ጎነጻዊ ተግባር ከይትቃልዑ ትፈርሑ እንተ ኰይንኩም፡ ፖሊስ ሓለዋ ክገብረልኩም ይኽእል እዩ፣ እቲ ጎነጻዊ ተግባር ዝፍጽም ሰብ ድማ ናብ ገዛ ከይኣቱ ዘቤታዊ መአገዲ (huisverbod) ክወሃቦ እዩ። እቶም ፖላዊስ ብኽብሪን ብኣገባብን ክኣልዩኺ ግቡኦም እዩ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ እንድሕር ዘይብልኩም እውን፡ ፖሊስ ልክዕ ከም ካልኦት ግዳያት ጌሩ ክኣልየኩም ይግባእ እዩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብልኩም ፖሊስ ክኣስረኩም ኣይኽእልን፡ ከምኡ ድማ መንነትኩም ሓቢእኩም ነቲ ገበን ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እንተደሊኹም፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ካልእ ማሕበራዊ ትካል ምሳኹም ክኸይድ ይኽእል እዩ። 

ደገፍ ንፈጸምቲ ገበን

ኣብ ርክብ ጎነጽዊ ተግባር ፈጺመ ዝብል እምነት እንተሃልዩኩም፡ ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ጎነጻዊ ተግባር ክፍጽም እየ ዝብል ስግኣት እንተሃልዩኩ፡ደገፍ ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ፍወሳ፡ ብዛዕባ ስምዒታትኩምን ባህርያትኩምን ክትዛረቡ ክሕግዘኩም፡ ከምኡ’ውን (ደጊምኩም). ጎነጻውያን ካብ ምዃን ክኽልክለኩም ይኽእል እዩ።