ኣብ ክብሪ ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ክብሪ ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር ምፍጻም፡ ወይ ብዝዀነ መገዲ ብእኡ ምሕጋዝ፡ (ተሓባባሪ ገበን ማለት’ዩ)፡ ብሕግ ክልኩል እዩ። እዚ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ግዳይ ኣብ ክብሪ ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር ምስ እትዀኑ፡ ወይ ግዳይ ኣብ ናይ ምዃን ሓደጋ ምስ እትርከቡ፡ ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ መላእ ኔዘርላንድስ፡ መዕቈቢ፡ ማዕዳን ደገፍን ዝህቡ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽን ዓመጽ ኣብ ቈልዑን ምኽሪ ዝህብ ትካል (’ዉሕስነት ኣብ ገዛ’) ዝተባህለ ፍሉይ ትካል ኣሎከም። ናብ ፖሊስ፡ ሓኪም ወይ ቤት-ፍርዲ ክወስድኹም ይኽእሉ እዮም። ንብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽን ዓመጽ ኣብ ቈልዑን ምኽሪ ዝህብ ትካል (Veilig Thuis) ከተዘራርቡ እንከለኹም፡ ስምኩም ምንጋር ኣየድልየክሙን እዩ። ስምክም ሓቢእኩም ደገፍን ማዕዳን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ንገዛእ ርእስኹም ኣብ ኵነታት ህጹጽ ረዲኤት ምስ እትረኽቡዋን ካብ ተወሳኺ ጎነጻዊ ተግባር ምስ እትፈርሑን፡ ናብ መዕቈቢ (Blijf van mijn lijf huis) ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዘቤታዊ ጎነጻዊ ተግባር ወይ ግህሰት ህጻን ክፍጽም ዘፈራረሐ ሰብ፡ ን 10 መዓልቲ ናብቲ ገዛ ከይኣቱ ዝኽልክል ዘቤታዊ መአገዲ (huisverbod) ክብየነሉ እዩ። እዚ ግዜ’ዚ፡ ብ 4 ሰሙን ክናዋሕ ይኽእል እዩ።
ብተወሳኺ፡ ክሲ ንምምስራት ብቕልጡፍ ናብ ፖሊስ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ንሳቶም፡ ምስጢርኩም ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎም። ናብ ተወሳኺ ጎነጻዊ ተግባር ከይትቃልዑ ወይ ሕነ ከይፍደየኩም ትፈርሑ እንተ ኰይንኩም፡ ፖሊስ ሓለዋ ክገብረልኩም ይኽእል እዩ። እቲ ፖሊስ እውን ነቲ ፈጻሚ ጎነጻዊ ተግባር ናብ ገዛ ከይኣቱ ዘቤታዊ መአገዲ (huisverbod) ክህቦ ይኽእል እዩ። እቶም ፖላዊስ ብኽብሪን ብኣገባብን ክኣልዩኺ ግቡኦም እዩ።
ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ እንድሕር ዘይብልኩም እውን፡ ፖሊስ ልክዕ ከም ካልኦት ግዳያት ጌሩ ክኣልየኩም ይግባእ እዩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብልኩም ፖሊስ ክኣስረኩም ኣይኽእልን፡ ከምኡ ድማ መንነትኩም ሓቢእኩም ነቲ ገበን ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እንተደሊኹም፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ካልእ ማሕበራዊ ትካል ምሳኹም ክኸይድ ይኽእል እዩ።