ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ
ኣብ ኤውሮጳ፡ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ብሕጊ ክልኩል እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ዝኾነ ዓይነት ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ዘካየደ ሰብ፡ ዝሓገዘ ወይ ከኣ ዘተባብዐ ሰብ (ተሓባባሪ ምዃን)፡ 12 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክብየነሉ ይኽእል። ዋላ እተን ኣዋላድ እንተ ተሰማምዓ፡ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ንደቆም ናብ ካልእ ሃገር ወሲዶም ዘኸንሽቡ ወለዲ፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ክቕጽዑ ይኽእሉ እዮም።
ናብ ሓኪም እትኸይድ ጓለንስተይቲ
እታ ጓል ዝዕድሚኣ ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን፡ እቲ መቕጻዕቲ ዝኸበደ ክኸውን ይኽእል። እዚ ከም ግህሰት ህጻን እዩ ዝውሰድ።
ክብደተ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጓል 18 ዓመት ምስ ኰንክን፡ ክሳዕ ጓል 20 ዓመት እትዀና ክሲ ከተእትዋ ትኽእላ ኢኽን። ግዳይ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ክትኰና እንከለኽን ህጻናት ዋላ ንበራ፡ ሕጂ ክሲ ክትምስርታ ትኽእላ ኢኽን። ዕድሜኽን 18 ዓመት ቅድሚ ምምላእክን፡ ቅድሚ ክንደይ ዓመት ግዳይ ኮይንክን ብዘየገድስ፡ ክሲ ኣብ ምምስራት ዘሕድሮ ጽልዋ የለን።
ዳርጋ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ዝኽልክል ሃገራዊ ሕጊ ኣለወን። ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ኩሉ ግዜ ኣብ ግብሪ ዘይክውዕል ይኽእል እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ተደሪኽክን፡ ብምኽንያት ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ዕቑባ ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን፦
- ትሕቲ ዕድመ እንተ ኰይንክን እሞ፡ ብንጹር ክግለጽ ዝኽእል ናይ ክሽቦ ስግኣት እንተሃልዩክን፡
- ተኸንሺብክን እንተዀንክን እሞ፡ ተወሳኺ ክሽቦ ከይፍጸመክን ምስ ትፈርሓ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ብዘይ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ትነብራ እንተሃሊኽን፡ ዋላ ብኻልእ ምኽንያት ዕቑባ ክትሓታ እንተጸናሕክን፡ ኣብዞም ምኽንያታት ምርኩስ ጌርክን፡ ዕቑባ ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን።
ግዳይ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ እትዀና፡ ወይ ግዳይ ክኸውን እየ ዝብል ፍርሒ ምስ ዝህልወክን፡ Pharos ንዝተባህለ ፍሉይ ደገፍ ወሃቢ ትካል ከተዘራርባ ትኽእላ ኢኽን።