ግህሰት ህጻን
ህጻን ብኣነዋሪ ተዓሚጹ ወይ ተጋሂሱ ዝበሃል፡ ኣካላዊ ምትንኻፍ ብዘለዎ ወይ ብዘይብሉ መገዲ፡ ኣብ ጾታዊ ተግባር ንኽሳተፍ ጸቕጢ ምስ ዝግበረሉ ወይ ምስ ዝተባባዕ እዩ። እዚ ብመገዲ ኢንተርነት ብቐጥታ ክፍጸም እውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምትንዃይ፡ ምስዓም፡ ጾታዊ ርክብ፡ ነቲ ህጻን ስእለ-ጽዩፍ ክርኢ ምግዳድ፡ ጽዩፍ ቋንቋ ምጥቃም፡ ጾታዊ ብልዕቲ ምርኣይ ወይ ዘሰንብድ ጥራይ ነብሱ ስእሊ ምርኣይ ወይ ዘሰንብድ ቪድዮ ናይ ህጻን ምርኣይ።
ገለ ግዜ እቲ ህጻን ይገሃስ ከምዘሎ ኣይፈልጥን ወይ ኣርዳእን እዩ።
ነቲ ህጻናት ዝግህስ ዘሎ ሰብ ዓቢ ሰብ ወይ ትሕቲ 18 ዓመት ዕድሜኡ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ሞንጎአ ዓበይቲን ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሜኦምን ዝግበር ጾታዊ ተግባራት፡ ዋላ ይሰማምዑ ብመትከል ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ መዛኑ፡ ክልቲኦም እንተ ተሰማሚዖም ግን ብሕጊ ክልኩል ኣይኰነን፡ ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ወዲ 18 ዓመት እቲ ካልኣዩ ከኣ ወዲ 15 ዓመት ምስ ዝዀኑ ወይ ክልቲኦም ደቂ 14 ዓመት ምስ ዝዀኑ። ምስ ትሕቲ 12 ዓመት ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ኵሉ ግዜ ብሕጊ ክልኩል እዩ።
ክልተ ናእሽቱ ህጻናት ጾታዊ ጸወታታት እንተ ተጻዊቶምን ክልቲኦም ይሕጐሱሉ እንተ ሃልዩሞን፡ ግህሰት ኣይበሃልን እዩ። እዚ፡ ኣካል ጥዑይ ጾታዊ ምዕባለ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ልዕሊ ህጻን፡ ጽዩፍ መጥቃዕቲ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ካብ’ቲ እቲ ግዳይ ዓቢ ሰብ ዝኸውን ንላዕሊ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ኣለዎ።
ናይ ህጻን ስእለ-ጽዩፍ ምድላው፡ ምርኣይ፡ ምዝርጋሕ ወይ ምሻጥ፡ ክሳብ ማእሰርቲ ዘስዕብ መቕጻዕቲ ኣለዎ።
ኣብ ልዕሊ ህጻን ህግሰት ክፍጽም እንተ ርኢኹም ወይ እቲ ህጻን ክገሃሰት ተፈጺሙዎ ኢልኩም እንተ ጠርጢርኩም፡ መንነትኩም ሓቢእኩም ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ናብ ፖሊስ ወይ ከኣ ናብ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽን ዓመጽ ኣብ ቈልዑን ምኽሪ ዝህብ ትካል ሓበሬታ ክትልእኩ ትኽእሉ ኢኹም።