ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጾታዊ መጥቃዕቲን ዓመጽን

ጾታዊ መጥቃዕቲ

ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበሃል፡ ብዘይ ፍቓድ ኣንጻር ናይ ካልእ ሰብ ድሌት ጾታዊ ተግባር ምፍጻም እዩ። እቲ ግዳይ ንኸምዚ ዓይነት ተግባር ስምምዕ ኣይገበረን። ሓደ ሰብ ብሕጊ ዝቕጻዕ፡ ብፍላጥ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጽም ወይ እቲ ካልኣዩ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክፍጸሞ ከምዘይደሊ ምስ ዝፈልጥ እዩ። ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዘይ ኣካላዊ ጎነጻዊ ተግባር ወይ ምፍርራሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ግዳይ ክጻወር ዝኽእል ምስ ዘይከውንን ብሰንኪ ፍርሒ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ምስ ዝፈቅድን።

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብሕጊ ክልኩል እዩ።
ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ኣብ ክብደት ናይ’ቲ ዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጽ ምርኩስ ብምግባር፡ እቲ ዝነውሐ ማእሰርቲ ዝብየነሉ ግዜ 8 ዓመት ክኸውን እዩ፡ እቲ ግዳይ ህጻን ምስ ዝኸውን ግና እቲ ማእሰርቲ ክሳብ 13 ዓመት ክበጽሕ ይኽእል እዩ። 

ዓመጽ

ዓመጽ ማለት፡ ኣንጻር ናይ ሓደ ሰብ ፍቓድ ርሕሚ ሰንጢቕካ ጾታዊ ርክብ ብምግባር (ጾታዊ ርክብ፡ ናይ ኣፍ ጾታዊ ርክብ ወይ ናይ መሃንቱስ ጾታዊ ርክብ) ዝፍጸም ኵሉ ዓይነት ጾታዊ ተግባር። እቲ ስምንጣቕ ርሕሚ፡ ብገለ ክፍሊ ኣካል ወይ ብግኡዝ ነገር ክኸውን ይኽእል። እቲ ግዳይ ንኸምዚ ዓይነት ተግባር ስምምዕ ኣይገበረን። ሓደ ሰብ ብሕጊ ዝቕጻዕ፡ ብፍላጥ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጽም ወይ እቲ ካልኣዩ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክፍጸሞ ከምዘይደሊ ምስ ዝፈልጥ እዩ። ዓመጽ ብኣካልዊ ጎነጻዊ ተግባር ወይ ብምፍርራሕ ክፍጸም ይኽእል ወይ ብኸምኡ ክፍጸም ኣይክእልን፡ ንኣብነት፦ እቲ ግዳይ ክጻወር ዝኽእል ምስ ዘይከውንን ብሰንኪ ፍርሒ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ምስ ዝፈቅድን።

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ዓመጽ ገበናዊ ተግባር እዩ። ዓመጽ ምፍጻም፡ ክሳብ 12 ዓመት ማእሰርቲ ከፍርድ ይኽእል። እቲ ግዳይ ህጻን ምስ ዝኸውን ወይ ኣብ ካልእ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት እንተ ዀይኑ፡ እቲ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ክሳብ 18 ዓመት ክበጽሕ ይኽእል። 

ገሃሲ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ ጎነጻዊ ተግባርን፡ ናይ’ቲ ግዳይ ጉድለት ከምዘይኰኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ መስመር ዝሰገረ ሰብ፡ ኣብ ጉድለት ኣሎ። 

ሓገዝ ምድላይ

ደገፍ ንምሕታት ምድንጓይ ጽቡቕ ኣይኮነን። ምናልባሽ ዓርኪኹም ወይ እትኣምንዎ ሰብ ደገፍ ክገብረልኩም ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ዓመጽ ወይ ጽዩፍ መጥቃዕቲ፡ ናብ በዓል ሞያ ሓኪም ክትከይዱ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ፡ (መንነትኩም ሓቢእኩም) ምስCentrum voor Seksueel Geweld (ማእከል ጾታዊ ጎነጻዊ ተግባር) ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ’ዚ ናይ ሕክምና፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ፡ ከምኡ ድማ ናይ ሕጊ ደገፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ብተወሳኺ፡ ሽዑኡ ናብ ፖሊስ ከይድኩም ጸብጻብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንናትኩም ምስጢር  ከኽብሩ ይግደዱ እዮም። ነቲ ዓመጽ ወይ ነቲ ጽዩፍ መጥቃዕቲ፡ ምስ ተፈጸመ ብዝተኻእለኩም መጠን ተቐላጢፍኩም (እንተተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት) ክትሕብሩ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ እንተጌርኩም፡ እቲ ፖሊስ መርትዖ ዝኾንዎ ከም ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝኣመሰሉ ምልክታት ክረክብ ይኽእል። ብቑጽሪ ተሌፎን 0900-8844 ምስ ፖሊስ ቆጸራ ሓዙ። ተወሳኺ ጎነጻዊ ተግባር ከይፍጸመኩም ምስ እትፈርሑ፡ ፖሊስ ሓለዋ ክገብረልኩም ይኽእል እዩ። እቶም ፖላዊስ ብኽብሪን ብኣገባብን ክኣልዩኺ ግቡኦም እዩ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ  እንድሕር ዘይብልኩም እውን፡  ፖሊስ ልክዕ ከም ካልኦት  ግዳያት ጌሩ ክኣልየኩም ይግባእ እዩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብልኩም ፖሊስ ክኣስረኩም ኣይኽእልን፡ ከምኡ ድማ መንነትኩም ሓቢእኩም ነቲ ገበን ቀልጢፍኩም ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም።  ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ካልእ ማሕበራዊ ትካል ምሳኹም ክኸይድ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ህጹጽ ሓደጋ ኣብ ዝፈጥር ኩነታት እንተኣቲኹም፡ ከምኡ ድማ ተወሳኺ ጎነጻዊ ተግባር ከይፍጸመኩም ትፈርሑ እንተዀንኩም፡ 112 ደውሉ።

ናብ Blijf van mijn Lijf huis (መዕቆቢ) ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ደገፍ ንፈጸምቲ ገበን

ኣብ ርክብ ጎነጽዊ ተግባር ፈጺመ ዝብል እምነት እንተሃልዩኩም፡  ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ  ጎነጻዊ ተግባር ክፍጽም እየ ዝብል ስግኣት  እንተሃልዩኩ፡ ደገፍ  ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ፍወሳ፡ ብዛዕባ ስምዒታትኩምን ባህርያትኩምን ክትዛረቡ ክሕግዘኩም፡ ከምኡ’ውን (ደጊምኩም) ጎነጻውያን ካብ ምዃን ክኽልክለኩም ይኽእል እዩ።