ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ርሕማዊ ረኽሲታት

ረኽሺ ናይ ርሕሚ፡ ኣብ ርሕሚ ዘጋጥም ረኽሲ ኰይኑ ምስ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲታት ተመሳሳሊ ምልክታት ኣለዎ። ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ረኽሲ ብጾታዊ ርክብ ኣይኮነን ዝመጸካ።

እቲ ረኽሲ ብፋንጋስ (ካንዲዳ) ወይ ከኣ ብባክተርያ (ባክተሪያል ቫጂኖሲስ) እዩ ዝመጽእ።

መብዛሕትኦም ረኽሲታት ርሕሚ ክትከላኸልዮም ትኽእሊ ኢኺ እንተድኣ ብልዕትኺ ብግቡእ ትከናኸንዮ ኮይንኪ። ጸረ-ነፍሳትን ጭንቀትን እውን ረኽሲታት ርሕሚ ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ብሓኪም ክእዝዘልኪ እንከሎ ጥራይ ኢኺ ጸረ-ነፍሳት ክትወስዲ ዘለኪ። 

ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ እንተሃልዮምኪ ረኽሲ ርሕሚ ክህልወኪ ይኽእል:

  • ካብቲ ልሙድ ፍልይ ዝበለ ናይ ርሕሚ ፈሳሲ:
    • ሕማቕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ምፍናው;
    • ብዙሕ ማይ-መሰል ወይ ከኣ ጻዕዳ ፈሳሲ ምፍናው;
  • ቃንዛ ኣብ እዋን ጾታዊ-ርክብ;
  • ሰሓ፡ ምሕኻኽ ወይ ምቕያሕ ርሕምን ከባቢኡንን;
  • ቃንዛ ኣብ ምሻን;
  • ሕበጥ ኣብ ከንፈር ርሕሚ።

ረኽሲ ርሕሚ ዘለኪ መሲሉ እንተ ተሰሚዑኪ፡ ብዛዕባኡ ምስ ብዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ተዘራረቢ። ረኽሲ ርሕሚ ብቐሊሉ ክፍወስ ይኽእል እዩ። እቲ ሓኪም መድሃኒት ወይ ከኣ ክሬም ክእዝዘልኪ ይኽእል እዩ። ገለ መድሃኒት ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ክዕደጉ ይዅሉ እዮም፡ እንተዀነ ቅድሚ ዝዀነ መድሃኒት ምዕዳግኪ ንሓኪምኪ ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ። 

መጻምድትኺ እውን ክምርመርን ክሕክምን ዝግበኦ ከይከውን ንበዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ሕተቲ።

ምስ ሓኪም እትዘራረብ ጓለንስተይቲ።