ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት እንታይ እዮም፧

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ማለት፡ ካብቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ዘለዎም ሰባት፡ ብመገዲ ጾታዊ ምትንኻፋት ዝመሓላለፉ እዮም።

ብዙሓት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ኣለዉ። ገለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት፡ መንቀሊኦም ባክተርያ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ከኣ ብቫይረስ ወይ ብጽግዕተኛ ነፍሳት ዝመጽኡ እዮም። እቶም ምልክታት ወይ ንሳቶም ዝምርመሩሉ ወይ ዝሕከምሉ ሜላታት እውን ዝተፈላለዩ እዮም።

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ኵሉ ግዜ ብቕጽበት ኣይለግሱን እዮም። ናብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይ ናብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ብምኻድ ተሓከሙ።

ብባክተርያ ዝስዕቡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት።

ገለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ብባክተርያ ዝስዕቡ እዮም። እዚኦም ብጸረ-ነፍሳት ብቐሊሉ ክሕከሙ ዝኽእሉ እዮም።

  • ክላማይዲይ;
  • ጅግል፡
  • ፍንጣጣ።

ብቫይረ ዝስዕቡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት።

ብቫይረስ ዝስዕቡ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት። እዚኣቶም’ውን ዝበዝሕ ግዜ ክፍወሱ ዝኽእሉ እዮም።

  • ብዓይነት ቢ ዝፍለጥ ወይቦ;
  • ወይቦ ዓይነት ሲ
  • ሀርፐስ ወይ ብቫይረስ ዝመጽእ ቈርበት ዜቚስል ሕማም፡
  • ኤች.ኣይ.ቪ፡
  • ፓፒሎማ ቫይረስ ሰብ፡
  • ናይ ብልዕሊቲ ጡብ-ኣድጊታት።

ብጽግዕተኛ ነፍሳት ዝስዕቡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት።

ገለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት፡ ብጽግዕተኛ ነፍሳት ዝስዕቡ እዮም። እዞም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት፡ ብጾታዊ ምትንኻፍ ወይ ድማ ብቐሊሉ ብቆርበታዊ ምትንኻፍ ዝመሓላለፉ እዮም።

  • ዓበቕ;
  • ትራይኮሞንያሲስ፡ ከምኡ ድማ
  • ናይ ጸጉሪ ብልዕቲ ቁማል።

ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ምክልኻል

ኮንዶም ንገዛእ-ርእስኹምን ንመጻምድኹምን ካብ ኤችኣይቪ፡ ካብ ችላሚድያ ከምኡ’ውን ካብ ጅግል ይከላኸለልኩም። እዚ ተኽእሎ መልከፍቲ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት የጕድል። እዚኦም፡ ኩሎ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ነቶም ኣብ ቆርበት ወይ ኣብ ናይ መጻምዲ ቆርበት ዘለዉ ቁስሊታት፡ ሕበጣት ወይ ዕንፍራራት ክሽፍኑ ኣይኽእሉን እዮም። እዚ ማለት፡ ካብ ሓደጋ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኣይኮንኩምን ማለት እዩ። ክታበታት እውን ካብ ገለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክከላኸሉ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብዓይነት ቢ ዝፍለጥ ወይቦ። 

ኮንዶም

ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምፍዋስ

መብዛሕቲኦም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ዝኽእሉ እዮም። ንሳቶም፡ ክፍወሱ ወይ ምልክታቶም ክጠፍእ ይኽእሉ እዮም። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት፡ እንተደኣ ዘይተፈዊሶም፡ ንጥዕናኹም ብኸቢድ ክሃስየኩም ይኽእል እዩ። ብወተሳኺ፡ ካልኦት ሰባት’ውን ክትለኽፉ ትኽእሉ ኢኹም።

ብኸመይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲታት ክትፈልጥዎም ትኽእሉ።

ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ምልክታት የብሎምን። ኩሉ ግዜ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለኪን ከምዘይብልኪን ብዓይንኺ ርኢኺ ዘይክትፈልጥኢ ትኽእልኢ ኢኺ። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲታት ኣለኒ ኢልኩም ትጥርጥሩ እንተ ደኣ ኰይንኩም፡ ናብ በዓል ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ናብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ወይ ናብ’ቲ ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዘሎ ማእከል ጥዕና ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብኡ ድማ መርመራ ክገብሩልኩም ይኽእሉ እዮም።

ርሕማዊ ረኽሲታት

ረኽሺ ናይ ርሕሚ፡ ኣብ ርሕሚ ዘጋጥም ረኽሲ ኰይኑ ምስ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲታት ተመሳሳሊ ምልክታት ኣለዎ። ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣይኮነን። እቲ ረኽሲ፡ መብዛሕትኢኡ ግዜ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ኣይኰነን።