ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኤች.ኣይ.ቪ እናሃለወኪ ጥንሲ ምሓዝ

ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋ ጓለንስተይቲ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ጥንሲ ክትሕዝን ኤች.ኣይ.ቪ ዘይብሉ ቆልዓ ክትወልድን ትኽእል እያ።

ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምጥናስ

ኣብ ትሕቲ እዞም ዝስዕቡ ገለ ረቛሒታት፡ ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ-ርክብ ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ዘይብሉ ቀዋሚ መጻምድትኺ (ቐጻሊ ወሲባዊ ርክብ) ክትፍጽሚ ትኽእሊ ኢኺ:

  • እንተወሓደ ኣብተን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ኣብ ደምኪ ዘሎ መጠን ኤች.ኣይ.ቪ (ጻዕቂ ቫይረስ) ኣሰሩ ክርከብ ዘይኽእል እንተኾይኑ። መድሃኒትኪ መዓልታዊ ብቕኑዕ ኣገባብ እንድሕር ትወስዲ ኮንኪ፡ እቲ ጻዕቂ ቫይረስ ይውሕድ። ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ፡ ናይቲ ቫይረስ ምልክታት ዝበዝሕ ግዜ ብምርመራ ክርከብ ኣይክእልን፣ ከምኡ ድማ
  • ጻዕቂ ቫይረስኪ ካብ ዝምርመር 6 ወርሒ ዘይገበርኪ እንተኾንኪ፡ ከምኡ ድማ
  • ንስኽን መጻምድትኽን ካልእ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ዘይብልኩም እንተኮንኩም።

ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሚ እንተ ደሊኺ ምስቲ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ኣማኻሪኺከምኡ ከኣ ምስ መጻምድትኺ ተዘራረቢ።

ምስ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ኣማኻሪ እትዘራረብ ጓለንስተይቲ።

መጻምድቲ ይዘራረቡ።

ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ጥንሲ ምሓዝ ዘይከኣል እንተኾይኑ

ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምጥናስ ዘይከኣል እንተኾይኑ፣ ካልእ ምርጫ ኣሎ:

እቲ ወዲ-ተባዕታይ ኤች.ኣይ.ቪ እንሃልዩዎ

እቲ ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ሰብኣይ ኣሎ።

  • ስፔሻሊስት ሓኪም ነቲ ቫይረስ ንምእላይ ነቲ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ “ክሓጽቦ” ይኽእል እዩ።
  • እቲ ስፔሻሊስት ሓኪም ነቲ ዝተሓጽበ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ብስሪንጋ ጌሩ ናብ ማህጸን እታ ጓለንስተይቲ የእትዎ።

እታ ጓለንስተይቲ ኤች.ኣይ.ቪ እንተሃልዩዋ

  • እቲ ዋህዮ እንቋቑሖ ቫይረስ የብሉን።
  • እቲ ስፔሻሊስት ሓኪም ነቲ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ማህጸን ብስሪንጋ የእትዎ።

ጥንሲን ኤች.ኣይ.ቪን

ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋ ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን መድሃኒት ክትወስድ ኣለዋ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ልዕሊ 99% ህጻናት ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ናጻ ኮይኖም ይውለዱ።

ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ክትወልዲ ትኽእሊ ምዃንኪን ዘይምዃንኪን ንምፍላጥ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ክትዛተዪ ትኽእሊ። ኣብ ገለ እዋን እቲ ቆልዓ ብመጥባሕቲ እዩ ዝውለድ። 

እቲ ቆልዓ ምስ ተወልደ መድሃኒታት ይወሃቦ።

ኣብ ኔዘርላንድስ መብዛሕትኦም ሓካይም ቆልዓ ምስ ተወልደ ኣብ ክንዲ ጸባ ጡብ ኣዲኡ ዝጠቡ በይቢ ፎርሙላ ዝበሃል ጸባ ብጡጦ ክወስድ እዮም ዝመኽሩ፡ ምኽንያቱ እዚ ኤች.ኣይ.ቪ ከይሓልፎ ንዝህሉዎ ስግኣተ-ሓደጋ ስለዘወግድ። ይኹን’ምበር፡ ሓንቲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋን ቫይረስ ኣብ ውሽጣ ዝተዓብጠን ኣደ፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሓኪም ጸባ ጡብ ከተጥቡ ትኽእል እያ። ከምዚ ክትገብሪ ትሓስቢ እንተ ኮይንኪ ምስ ሓኪምኪ / ብዓል-ሞያ ኤች.ኣይ.ቪ ተማኸሪ። 

 

ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋ ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን መድሃኒት ክትወስድ ኣለዋ።

እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም እታ ጓለንስተይቲ ነቲ ቆልዓ ብዝሓሸ ውሑስ መንገዲ ብዛዕባ እትወልደሉ ኣገባብ ምስኣ ክዛተ እዩ።

እታ ኣደ ንቆልዓኣ ኣብ ክንድኡ ጡጦ ትምግቦ።