ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ግብረስጋ

ጾታዊ ርክብ ማለት፡ ዝቐንዐ መትሎ ገይርካ ንርሕሚ ወይ ንመሃንቱስ ምስንጣቕ እዩ።

ንርሕሚ ምስንጣቕ

ስምዒቱ ዝተለዓዓለ ወዲ-ተባዕታይ፡ መትሎኡ ክቐንዕ ይኽእል። እቲ መትሎ ብደም ይንፋሕ። ግዝፉ ይውስኽን ይተርርን ይቐንዕን።

ስምዒታ ዝተለዓዓለ ጓለንስተይቲ ርሕማ ይትርክስ። እዚ ድማ፡ መትሎ ናብ ርሕሚ ንኸኣቱ ይሕግዝ።

እታ ጓለንስተይቲ ክትጠንስ እትኽእል እንደኣ ኰይና፦

  • ናይ’ቲ ወዲ-ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ፡ ናብ’ቲ ናይ ጓለንስተይቲ ርሕሚን ማህጸንን ምስ ዝኣቱ፡ ከምኡ እውን
  • እታ ጓለንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ምስ እትህሉ እዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ቈዑል ክትወልዳ ድሌት እንተዘይብልክን፡ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐማ።

ወዲ-ተባዕታይን ጓለንስተይቲን ጾታዊ-ርክብ እናፈጸሙ። እቲ ጠመተ፡ መትሎ ናብ ርሕሚ ኣብ ምስጣቕ እዩ ዘሎ።

ብዛዕባ መትሎ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ እናሃለወ ዘርኢ ዝርዝር።

ብዛዕባ መትሎ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ እናሃለወ ዘርኢ ዝርዝር። ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ካብ መትሎ ወጺኡ ናብ ማህጸን ይኣቱ ኣሎ።

ንመሃንቱስ ምስንጣቕ

ወዲ-ተባዕታይን ጓለንስተይቲን፡ ወይ 2 ደቂ-ተባዕትዮ፡ ንመንሃንቱስ ብምስንጣቕ ጾታዊ ክርብ ክገብሩ ይኽእሉ።

ጓለንስተይቲ ብመሃንቱሳ ጾታዊ ርክብ ብምግባር፡ ክትጠንስ ኣይትኽእልን እያ። ይኹን እምበር፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ርሕሚ ከይኣቱ ግን ክትጥንቀቑ ኣለኩም።

ኣብነት ጾታዊ ርክብ፦ 2 ደቂ-ተባዕትዮ ተጋዲሞም ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። እቲ ሓደ ብድሕሪ እቲ ካልእ ተገዲሙ ኣሎ።

ጾታዊ ርክብ ናይ ምግባር ምኽንያታት

ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ጾታዊ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፡ ንኣብነት፡ –

  • ቈልዑ ክትወልዱ ምስ እትደልዩ (ብርሕሚ ጥራይ ምስ እትራኸቡ)፡
  • ጾታዊ ባህታ ንምስትምቓር፡
  • ፍቕርን ካልእ ስምዒታትን ንምግላጽ፡
  • ዕርክነት ንምስትምቓር;
  • ንምዝናይ።

ጾታዊ ርክብ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት

ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜአን ጾታዊ ርክብ ክገብራ ይደልያ፡ ገሊአን ከኣ ኣይደልያን። ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ እንተ ደኣ ደልያ፡ ኣብ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜኣ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ትኽእል እያ። ከምዚ ምግባራ፡ ናይ ኣካላዊ ንጽህና ጸገማት ኣይፈጥረላን እዩ።

ምልውዋጥ

ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጾታዊ ርክብ እትፍጽምሉ፡ ኣብ ጥርዘ ስምዒት ክትበጽሑ ኣየድልየኩምን እዩ። ዝበዝሑ ሰባት፡ ኵሉ ግዜ ጥርዘ ስምዒት የብሎምን።

ጾታዊ ርክብ ብዝተፈላለየ መገዲ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፦ እዚ ከኣ፡ ተጋዲምኩም፡ ኮፍ ኢልኩም፡ ደው ኢልኩም ወይ ተኾርሚኹም።
ብዘይካ ጾታዊ ርክብ፡ ካልኦት ጾታዊ ርክብ እትፍጽሙሎም መገድታት ኣለዉ።

ብዛዕባ ድሌታትኩምን ስምዒታትኩምን ምስ መጻምድትኽም ተዘራረቡ። ብሓባር ኮንኩም፡ ንኽልተኹም ጽቡቕ ጾታዊ ርክብ እንታይ ከምዝኾነ ክትውስኑ ትኽእሉ ኢኹም።

ጾታዊ ርክብ ኣብነት ቊጽሪ 1፦ እቲ ወዲ-ተባዕታይ ኣብ ልዕሊ’ታ ጓለንስተይቲ ኣሎ። እታ ጓለንስተይቲ ኣእጋራ ዘርጊሓ ኣላ።

ጾታዊ ርክብ ኣብነት ቊጽሪ 2፦ እታ ጓለንስተይቲ ብኢዳ ተጎምቢሓ ኣላ። እቲ ሰብኣይ ብድሕሪኣ ብኣብራኹ ተንበርኪኹ።

ጾታዊ ርክብ ኣብነት ቊጽሪ 3፦ እቲ ወዲ-ተባዕታይ ደው ኢሉ ኣሎ። እታ ጓለንስተይቲ ገጻ ናብኡ ገይራ ጠጠው ኢላ ኣላ። እቲ ወዲ-ተባዕታይ ሓደ እግራ ብኢዱ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሉ ሒዙዋ ኣሎ።

ጾታዊ ርክብ ኣብነት ቊጽሪ 4፦ እቲ ወዲ-ተባዕታይን እታ ጓለንስተይቲን ብጎድኖም ተጋዲሞም ዘለዉ ኮይኖም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ ብድሕሪ’ታ ጓለንስተይቲ ኣሎ።

ጾታዊ ርክብ ኣብነት ቊጽሪ 5፦ እታ ጓለንስተይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ወዲ-ተባዕታይ ኮፍ ኢላ ኣላ።

ምክልኻል ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤች.ኣይ.ቪን

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ከምኡ ድማ ብኤች.ኣይ.ቪ ክትተሓዙ ትኽእሉ ኢኹም። ንገዛእ-ርእስኹምን ንመጻምድኹምን ንምክልኻል፡ ኮንዶም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ኮንዶም