ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ

ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ ኣብ እግሪ ከብዲ ዝርከቡ ጭዋዳታት እዮም። ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን፡ ክልቲኦም ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ ኣለዎም።

ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ 3 ተግባራት ወይ ስራሓት ኣለዎም፦

  1. ንከረጢት ሽንቲ፡ ንፍሕኛ (ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን) ከምኡ ድማ ንማህጸን (ደቂ-ኣንስትዮ) ኣብ ቅኑዕ ቦታኦም ይሕዝዎም።
  2. ሽንቲን ሓርኢን ከይተሓሰቡ ካብ ሰውነት ከይወጹ ይከላኸሉ።
  3. ንሳቶም፡ ንጾታዊ ርክብን ንጾታዊ ዕጋበትን ኣገደስቲ እዮም።

ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ፡ ብቐሊሉ ክስልጥኑ ይኽእሉ እዮም።

ደቂ-ኣንስትዮ

ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ ትጭነቕ ወይ ትሓርቕ እንተ ኮይና፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብዘይፍቓዳ፡ንጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ ክትጭብጦም ትኽእል እያ። ሽዕኡ፥ እቲ ርሕሚ ኣዝዩ ይጸብብን መትሎ ናብኡ ንምእታው ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል ይኸውንን። እቶም ጭዋዳታት ብምንታይ ምኽንያት ይጨባበጡ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ፈትኑ። ብዛዕባኡ ምስ መጻምድኹም ምዝርራብ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ ኣብ እዋን ጥርዘ ስምዒት ጭዋዳታታ ግድግዳ ጎሎኣ እንድሕር ጨባቢጣቶም፡ ነቲ ዝስምዓ ዘሎ ባህታ ክትውስኸሉ ትኽእል እያ።

ኣብ እዋን ጥንሲ፡፣ ናይታ ጓለንስተይቲ ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ ዝርግሑ። ድሕሪ ሕርሲ፡ እቶም ጭዋዳታት ናብ ዝነበሩዎ ንኽምለሱ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ይደልዩ። ማዕዳ ንርካብ፡ ንበዓል ሞያ ጥዕና ተወከስ

ጠጠው ዝበለት ሰበይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ጎሎ እዩ።

ዝርዝር ጎሎ ናይ ጓለንስተይቲ፦ 1. ደጋፊ ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ፡ 2. ንከረጢት ሽንቲ፡ 3. ፍሕኛ፡ ከምኡ ድማ 4. ማህጸን።

ወዲ-ተባዕታይ

ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ፡ ነቲ ወዲ-ተባዕታይ መትሎኡ ቀኒዑ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ከመንጩ ይህግዙዎ።

ደው ዝበለ ወዲ-ተባዕታይ። እቲ ጠመተ ኣብ ጎሎ እዩ።

ዝርዝር ጎሎ ናይ ወዲ-ተባዕታይ፦ 1. ደጋፊ ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ፡ 2. ንከረጢት ሽንቲ፡ ከምኡ ድማ 3. ፍሕኛ።