ምምንጫው ናይ ዘርኢ ፈሳሲ
ናይ ዘርኢ ፈሳሲ በዚ ዝስዕብ መገዲ ይምንጩ።
- እቶም ፍረነብሲ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ የመንጭዉ ።
- እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ፡ ይበስሉን ኣብ ኢፒዲሚዲስ ይኽዘኑን።
- ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ዘርኢ ምስ ዘፍስስ፡ እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ናብ ሻንቡቆታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ኣቢሎም ይወጽኡ።
- እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ፡ ናብ ጽኪን ናብ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝዓቘረ ከረጢትን ይጐዓዓዙ። ፈሳሲ ናብቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ይውሰኽ። እቲ ፈሳሲን እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢን ተደሚሮም ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ይፈጥሩ።
- እቲ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ብመትረብ ሽንቲ ኣቢሉ ካብ መትሎ ይወጽእ።
ደው ዝበለ ወዲ-ተባዕታይ። እቲ ጠመተ ኣብቲ ዝቐንዐ መትሎ እዩ።
መትሎ ብውሽጢ ክርአ እንከሎ፦ 1. ፍረነብሲ፡ 2. ኢፒዲሚዲስ፡ 3. ሻንቡቆታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ፡ 4. ጽኪ ፕሮስተይት፡ 5. ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝዓቘረ ከረጢት 6. ዩሪትራ ማለት ንኩሊትን ፍሕኛን ዘራኽብ ሻምብቆ
ወዲ-ተባዕታይ መዓስ እዩ ንኽወልድ ድሉው ዝኸውን፧
ወዲ-ተባዕታይ ኣብ ግዜ ጉብዝና እዩ ንመጀመርያ እዋን ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዘመንጩ። ብሓፈሻኡ፡ ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ካብ 12 ክሳዕ 15 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ ንኽወልድ ድሉው ይኸውን። ሽዑ ቈልዑ ክወልድ ይኽእል። ንመጀመርያ ግዜ ስጋዊ ርክብ ዋላ እንተገበረ።
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ምሉእ ዕድመኡ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ እናመንጨወ ይነብር። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ክወልድ ይኽእል እዩ።
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ፡ ከመይ ገይሩ ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ከጥንሳ ይኽእል፧
+ሓንቲ ጓለንስተይቲ ንምጥናስ ድልውቲ እትኾነሉ እንኮ መገዲ፡ ኣብ እትጽግየሉ መዓልታት፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ብርሕማ ገይሩ ናብ ማህጸና ምስ ዝኣቱ እዩ።
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ፡ ቅድሚ ዘርኢ ምፍሳሱ፡ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዘለዎ ቁሩብ ፈሳሲ ጸረር ከብል ይኽእል እዩ። መትሎ ቅድሚ ዘርኢ ምፍሳሱ ካብ ርሕሚ ምውጻእውሑስ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኣይኮነን። ወዲ-ተባዕታይ፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ንምእካብ፡ ኣብ መትሎኡ ኮንዶም ክገብር ይኽእል። እዚ ሜላ እዚ፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ማህጸን ናይ ጓለንስተይቲ ከይከይድ ክኽልክሎ እዩ።
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ መኻን ምስ ዝኸውን፡ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ዘይብሉ ፈሳሲ የመንጩ። እቲ ከአ፡ ንናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝመሳሰል እዩ። እዚ፡ ንምቕናዕ መትሎኡ ወይ ንጾታዊ ርክብ ናይ ምግባር ክእለቱ ኣይጸውልዎን እዩ።