ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ብዓይኒ ዝርኣዩ ብልዕቲ ወዲ-ተባዕታይ

ብዓይኒ ዝርኣዩ (ግዳማዊ) ብልዕቲ ወዲ-ተባዕታይ እዞም ዝስዕቡ እዮም:

  • መትሎ፣
  • ኣንፊ መትሎ፣
  • ኣስኪት።

ኣንፊ መትሎ፡ እቲ ተነካኢ ጫፍ-መትሎ እዩ። ቆርበት ርእሲ መትሎ ኣብ ከባቢ ኣንፊ መትሎ ዝተጠቕለለ እዩ። ቆርበት ርእሲ መትሎ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ክትስሕቦ ትኽእል ኢኻ። ገለ ደቂ-ተባዕትዮ ዝተኸንሸቡ እዮም። ንሳቶም፡ ምሉእ ብምሉእ ወይ ገለ ክፋል ቆርበት ርእሲ መትሎ የብሎምን።

ሻምብቆ ሽንቲ ኣብ ኣንፊ መትሎ ይርከብ።

ደው ዝበለ ወዲ-ተባዕታይ። እቲ ጠመተ’፡ብዓይኒ ኣብ ዝርአ ናይ ጾታዊ ርክብ ክፍሊ-ኣካላት ይኸውን።

ብዓይኒ ዝረኣዩ ናይ ወዲ-ተባዕታይ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡- 1. መትሎ፡ 2. ኣንፊ መትሎ፡ 3. ኣስኪት። ኣብ ከባቢ ኣንፊ መትሎ፡- 4. ብውሽጢ ቆርበት ርእሲ መትሎ፡ 5. ሻምብቆ ሽንቲ።

ብዓይኒ ዝረኣዩ ናይ ወዲ-ተባዕታይ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡- 1. መትሎ፡ 2. ኣንፊ መትሎ፡ 3. ኣስኪት። ኣብ ከባቢ ኣንፊ መትሎ፡- 4. ብውሽጢ ቆርበት ርእሲ መትሎ፡ 5. ሻምብቆ ሽንቲ።

መትሎን ኣስኪትን

መትሎ 2 ተግባራት ወይ ዕማማት ኣለዉዎ፡-

  1. እቲ መትሎ ኣብ ዘይቀንዓሉ እዋን፡ ሽንቲ ብመትሎ ጌሩ ካብ ኣካላት ይወጽእ፡
  2. እቲ መትሎ ኣብ ዝቐንዓሉ (ንወሲብ ድልው) እዋን ከኣ፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ወዲ-ተባዕታይ በቲ መትሎ ኣቢሉ ካብ ኣካላት ይወጽእ።

ናይ ዘርኢ ፈሳሲን ሽንቲን ብሓደ ግዜ ብመትሎ ክወጽኡ ኣይኽእሉን እዮም።

ስምዒቱ ዝተለዓዓለ ወዲ-ተባዕታይ፡ መትሎኡ ክቐንዕ ይኽእል። ሽዑ እቲ መትሎ ብደም ይንፋሕ። ደቂ-ተባዕትዮ ብዙሕ ግዜ ንግሆ ካብ ድቃሶም ክትስኡ እንከለዉ፡ መትሎኦም ይቐንዕ። እዚ ማለት ግን፡ ጾታዊ ስምዒቶም ተላዒሉዎም ማለት ኣይኮነን።

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ፡ መትሎ ወዲ-ተባዕታይ ናብ ርሕሚ ይኣቱ (ይስንጥቕ)።

እቲ ኣስኪት ፍረነብሲ ይርከብ።

1. ብውሽጢ ዘይቀንዐ መትሎ፡ ሽንቲ ብኸመይ ካብ ኣካላት ወዲ ተባዕታይ ንደገ ይወጽእ ይርአ።

2. ብውሽጢ ዝቐንዐ መትሎ፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ብኸመይ ካብ ኣካላት ወዲ ተባዕታይ ንደገ ይወጽእ ይርአ።

ዓይነታት መትሎ

ናይ መትሎ ዓቐንን ቅርጺን ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ገለ ደቂ-ተባዕትዮ ዓብዪ መትሎ ክውንኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ከኣ ንእሽቶ መትሎ ኣለዎም። ናይ ዝቐንዐን ዘይቀንዐን መትሎ ዓቐን እውን ካብ ወዲ ናብ ወዲ ክፈላለ ይኽእል። ገለ ደቂ-ተባዕትዮ ጠዋይ መትሎ ክህልዎም እንከሎ፡ ካልኦት ድማ ትኽ ዝበለ መትሎ ይውንኑ። እቲ መትሎ እንታይ ይመስል፡ ንተግባራቱ ወይ ንጽቡቕ ጾታዊር ክርብ ኣገዳስነት የብሉን።

እተፈላለዩ መትሎታት፦ ኣብነት ቊጽሪ 1

እተፈላለዩ መትሎታት፦ ኣብነት ቊጽሪ 2

እተፈላለዩ መትሎታት፦ ኣብነት ቊጽሪ 3

እተፈላለዩ መትሎታት፦ ኣብነት ቊጽሪ 4