ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ብዓይኒ ዝረኣዩ ብልዕቲ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ

ብዓይኒ ዝረኣዩ (ግዳማዊ) ብልዕቲ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡-

  • ደጋዊ ከናፍፍ ርሕሚ፣
  • ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ፣
  • ኣፍ-ርሕሚ፣
  • ጉድበ።

ሻምብቆ ሽንቲን ማሃንቱስን፡ ክፋላት ብልዕቲ ኣይኮኑን።

ብተወሳኺ፡ ሰበይቲ ኣጥባት ኣለዋ። እዚኣቶም ብልዕቲ ኣይኮኑን፡ ግና ንጾታዊ ዕጋበት ናይ’ታ ጓለንስተይቲን ጸባ ጡብ ንምጥባውን ኣገደስቲ እዮም።

እታ ሰበይቲ ኣእጋራ ተጋሕቲና ተገዲማ ኣላ። እቲ ጠመተ’፡ብዓይኒ ኣብ ዝርአ ናይ ጾታዊ ርክብ ክፍሊ-ኣካላት ይኸውን።

ናይ ጓለንስተይቲ ብዓይኒ ዝርኣዩ ናይ ጾታዊ ርክብ ክፍሊ-ኣካላት ዝበሃሉ፦ 1. ደጋዊ ክፋል ከናፍር ርሕሚ፡ 2. ውሽጣዊ ክፋል ከናፍር ርሕሚ፡ 3. መኽፈቲ ርሕሚ፡ 4. ጉድበ። ሻምብቆ ሽንቲ (5) ከምኡ ድማ ማሃንቱስ (6) ዓይነታት ናይ ጾታዊ ርክብ ክፍሊ-ኣካላት ኣይኮኑን።

ከናፍር ርሕሚን ኣፍ-ርሕሚን

ከናፍር ርሕሚ፡ ንጉድበን ሻምብቆ ሽንቲን ዝከላኸሉ ከንፈር ዝመስሉ ኣካላት ናይ ቈርበት እዮም።

ሓንቲ ጓለንስተይቲ 2 ጽምዲ ከናፍር ርሕሚ ኣለዋ፡-

  • ደጋዊ ከናፍር ርሕሚ፡ ዝበዝሕ ግዜ ብጸጕሪ ዝተሸፈኑ ኮይኖምል፡ ካብ ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ ዝረጎደ እዩ።
  • ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ፡ ብጸጉሪ ዘይተሸፈኑ ኮይኖም፡ ካብ ደጋዊ ከናፍር ርሕሚ ዝቐጠኑ እዮም። ካብ ደጋዊ ከናፍር ርሕሚ፡ ዝዓበዩ ወይ ዝነኣሱ ክኾኑ ይኽእሉ።

ገለ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ክንዮ ደጋዊ ከናፍር ርሕሚ ዝተጣበቐ ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ ኣለወን። ካልኦት ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ምሉእ ብምሉእ ብደጋዊ ከናፍር ርሕሚ ዝተሸፈነ ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ ኣለወን። እንታይ ይመስሉ፡ ንዕማማቶም ኣገዳሲ ኣይኮነን።

ኣፍ-ርሕሚ፡ ኣብ ሞንጎ ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ ዝርከብ እዩ።

ጉድበ

ጉድበ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍ-ርሕሚ ዝርከብ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ ሓቢሮም ዝራኸብሉ ተኣፋፊ ኣካል ብልዕቲ እዩ።

እቲ ዝረአ ክፋል ጉድበ ክንዲ ዓይኒ ዓተር ዝኸውን ዓቐን ኣለዎ። እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ኣብ ትሕቲ ቈርበት ዝርከብን ብደገ ዘይርአን እዩ። ኣብ ውሽጢ ደጋዊ ከናፍር ርሕሚ ዝውድኡ 2 ነዋሕቲ ጨናፍር ኣለዉዎ።

ዝበዝሓ ደቂ-ኣንስትዮ፡ እቲ ጉድበን ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ቦታታትን ክትንከፍ ወይ ክደራረዝ እንከሎ እዩ ስምዒተን ዝትንስአን። ሽዑ፡ ኣብ ጥርዚ ስምዒት ክበጽሓ ይኽእላ።

ኣብ ገለ ባህሊታት፡ እቲ ናይ ኣዋልድን ናይ ኣንስቲን ጉድበ፡ ይቑረጽ ወይ ምሉእ ብምሉእ ይለግስ እዩ። እዚ ድማ ክሽቦ ጓለንስተይቲ ይበሃል። ኣብ ኤውሮጳ፡ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ብሕጊ ክልኩል እዩ።

ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ጉድበ ምስ’ቲ፦ 1. መልጎም ዝመስል ዝረኣ ክፋል፡ 2. ዝዓበየ ውሽጣዊ ክፋል ምስ 2 ጨናፍሩ።

ዓይነታት ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚ

ናይ ነፍሲ-ወከፍ ጓለንስተይቲ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚ መልክዑ ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚ እንታይ ይመስል፡ ንኣገባብ ዕማሙ ኣገዳሲ ኣይኮነን።

እተፈላለዩ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚታት፦ ኣብነት ቊጽሪ 1

እተፈላለዩ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚታት፦ ኣብነት ቊጽሪ 2

እተፈላለዩ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚታት፦ ኣብነት ቊጽሪ 3

እተፈላለዩ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚታት፦ ኣብነት ቊጽሪ 4