ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣካለ-ድንግልና

ኣካለ-ድንግልና ኣብ ውሽጢ ርሕሚ፡ ኣብ ጥቓ መእተዊ ኣፍ ደገ ዝርከብ ንእሽቶይ ልምሉም ሽፋን እዩ። ኣካለ-ድንግልና ምሉእ ብምሉእ ዕጹው ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ደም ናይ ግድን ብርሕሚ ኣቢሉ ክፈስስ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ድማ’ዩ፡ ኩሉ ግዜ ንእሽቶይ ወይ ግፍሕ ዝበለ ከፋት ዘለዎ። እዚ፡ ዋላ ኣብ’ተን ፈጺመን ጾታዊ ምትንኻፍ ገይረን ዘይፈልጣ ኣዋልድ ዘሎ እዩ። ኣካለ-ድንግልና፡ ሳሕቲ ግዜ፡ ነቲ ርሕሚ ምሉእ ብምሉእ ክዓጽው ዝኽእል ብዘይ መጠን ረጒድ ይኸውን እዩ። እዚ ተፈጥሮኣዊ ናይ ሕክምና ጸገም እዩ። ቀሊል ብዝኾነ መጥባሕቲ ብምግባር ክውገድ ይኽእል እዩ።

ጓለንስተይቲ፡ ኣእጋራ ተጋሕቲና ተጋዲማ እንከላ። እቲ ጠመተ’፡ብዓይኒ ኣብ ዝርአ ናይ ጾታዊ ርክብ ክፍሊ-ኣካላት ይኸውን።

ዝርዝር ናይቲ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ዝርከብ ኣካለ-ድንግልና

ዓይነታት ኣካለ-ድንግልና

ነፍሲ-ወከፍ ኣካለ-ድንግልና ብቕርጹን ግዝፈቱን ዝተፈላለየ እዩ፡

  • እቲ ቆርበት ረቂቕ ወይ ረጒድ ክኸውን ይኽእል።
  • ኣካለ ድንግልና፡ ለማጽ፡ ሓርፋፍ ወይ ዝተሸምረረ ክኸውን ይኽእል።
  • ጸቢብ ወይ ገፊሕ ክኸውን ይኽእል።

እተፈላለዩ ኣካለ-ድንግልናታት፦ ጸቢብ ከፋት ዘለዎ ኣካለ-ድንግልና

እተፈላለዩ ኣካለ-ድንግልናታት፦ ማእከላይ ዓቐን ከፋት ዘለዎ ኣካለ-ድንግልና

እተፈላለዩ ኣካለ-ድንግልናታት፦ ገፊሕ ከፋት ዘለዎ ኣካለ-ድንግልና

ንፈለማ እዋን ስጋዊ-ርክብ ምግባር

ሓንቲ ጓለንስተይቲ ንፈለማ እዋን ጾታዊ-ርክብ ክትገብር እንከላ፡ ኣካለ-ድንግልና ክዝርጋሕ ወይ ክቕደድ ይኽእል እዩ፡ ይኹን እምበር ኩሉ ግዜ ከምኡ ኣይከውንን እዩ። ኣካለ-ድንግልና፡ እታ ጓለንስተይቲ ምስ ድንግልናኣ ዋላ እናሃለወት፡ ኣቐዲሙ ክምጠጥ ወይ ክቕደድ ዝኽእል እዩ። ኣካለ-ድንግልና ሓንቲ ጓለንስተይቲ ድንግል ምዃናን ዘይምዃናን ከም መረጋገጺ ክውሰድ ኣይክእልን እዩ።

ኣካለ-ድንግልና፡ ክምጠጥ ወይ ክቕደድ እንከሎ፡ ቁሩብ ከሕምም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝበዝሓ ደቂ-ኣንስትዮ ኣየስተውዕልኦን እየን። ገለ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣካለ-ድንግልናአን ክቕደድ እንከሎ፡ ቁሩብ ደም የፍስሳ። ዝበዝሓ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዝኾነ ደም ኣየውጽኣን እየን።