ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ውሽጣዊ ጾታዊ ብልዕቲ ጓለንስተይቲ

ኣብ ውሽጢ ኣካላት ጓለንስተይቲ ዝርከቡ ብልዕቲ (ውሽጣዊ ብልዕቲ) እዚኦም እዮም፡-

  • ርሕሚ፣
  • ክሳድ-ማህጸን፣
  • ማህጸን፣
  • ሻምብቆ-ማህጸን፣
  • ማህደረ-እንቋቚሖ፣
  • ጉድበ።

ብተወሳኺ፡ እታ ጓለንስተይቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብዳ ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ ኣለዉ። እዚኣቶም ጾታዊ ብልዕቲ ኣይኮኑን፡ ግና ንጾታዊ ምቹኡነት ናይ’ታ ጓለንስተይቲን ጾታዊ ዕጋበታን ኣገደስቲ እዮም።

ጠጠው ዝበለት ሰበይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ጾታዊ ናውቲ ኣካላት እዩ።

ውሽጣዊ ጾታዊ ብልዕቲ ናይ ጓለንስተይቲ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡- 1. ርሕሚ፡ 2. ክሳድ ማህጸን፡ 3. ማህጸን፡ 4. ሻምብቆ ማህጸን፡ 5. ማህደረ-እንቋቚሖ።

ርሕሚ

ርሕሚ፡ ትቦ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ደጋዊ ኣካላት ናብ መእተዊ ማህጸን (ክሳድ ማህጸን) ዘእቱ እዩ። ዕምቆቱ ድማ ኣስታት 10 ሴንቲ ሜትር እዩ።

ርሕሚ፡ ንሓድሕዶም ተቐራሪቦም ዝተዘርግሑ ተመጠጥቲ መናድቕ ኣለዉዋ። እቶም መናድቕ ክሽምረሩ (ነቲ ኣፍ ንኸጽብብዎዎ) ወይ ዝርግሕግሕ ክብሉ ይኽእሉ።

ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያታ እታ ጓለንስተይቲ ብርሕማ ገይራ ደም ተፍስስ።

ኣብ ኣፍ ደገ ርሕሚ፡ ልምሉም ሽፋን ኣካሊት ዝኾነ ኣካለ-ድንግልና ይርከብ።

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ፡ መትሎ ወዲ-ተባዕታይ ናብ ርሕሚ ይኣቱ (ይስንጥቕ)።

ኣብ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ፡ ህጻናት ብርሕሚ ኣቢሎም ይውለዱ።

ክሳድ ማህጸን

እቲ ክሳድ ማህጸን ካብ ርሕሚ ናብ ማህጸን ዝወስድ መገዲ እዩ።

እቲ እዋን ሕርሲ፡ ክሳድ ማህጸን ዝበዝሕ ግዜ ይዕውን ይኽፈትን።

ማህጸን

ማህጸን፡ ንቑልቁል ኣፉ ናይ ዝተደፍአ ፍረ ፔረ ዝመስል ቅርጺ ኣለዎ።

ማህጸን፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ምስቲ ዕሸል ብሓንሳብ እናዓበየ ይኸይድ። ድሕሪ ሕርሲ፡ ማህጸን ናብ ንቡር ዓቐኑ ይምለስ።

ሻምብቆ ማህጸን

ሓንቲ ጓለንስተይቲ 2 ሻምብቆታት ማህጸን ኣለዉዋ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወገን ናይ ማህጸን ሓሓደ ይርከቡ።

ሻምቡቆ ማህጸን፡ ካብ ማህደረ-እንቋቚሖ ናብ ማህጸን ዋህዮ እንቋቑሖ ይወስድ።

ማህደረ-እንቋቚሖ

ሓንቲ ሰበይቲ 2 ማህደር እንቋቑሖ ኣለዋ። ነፍሲ-ወከፍ ማህደረ-እንቋቚሖ፡ ምስ ሻምብቆ ማህጸን ዝተራኸበ እዩ።

እቶም ማህደረ-እንቋቚሖ፡ መቐመጢ ዋህዮታት እንቋቚሖ እዮም። ሓንቲ ጓለንስተይቲ ክትውለድ እንከላ፡ ድሮ ኵሎም ዋህዮታት እንቋቚሖ እዩ ዘለዋ።

ማህደረ-እንቋቚሖ ክንዲ ፍረ ስትረውበሪ እዩ ዝኸውን።

ማህደረ-እንቋቚሖታት፡ ኣገደስቲ መፍረይቲ ሆርሞናት ጓለንስተይቲ እዮም። ንኣብነት፡ እዞም ሆርሞናት፡ ንቆርበትን ኣዕጽምቲን ዝጸልዉ ኮይኖም፡ ነቲ ኣካላት ብኸመይ ንጥንሲ ክዳለው ከምዘለዎ ይነግሩዎ። ኣብ እዋን ንጽፈተ-ጽግያት፡ ናይዞም ሆርሞናት ዋሕዲ፡ ሰንደልደል ምባልን ሃንደበታዊ ረስኒን ከስዕብ ይኽእል።

ጉድበ

ጉድበ፡ ኣካል ናይ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚ እዩ። ውትር ዝበለ ኣካል ኮይኑ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ላዕላዋይ ጥራይ ዝርአ እዩ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ጉድበ፡ ኣብ ውሽጢ ኣካላት’ዩ ዝርከብ፡፡ እዚ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ተነካእቲን ዕጋበት ፈጠርትን ክፍሊታት ኣካል ናይ ጓለንስተይቲ ኮይኑ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምሑጓስ ጾታዊ ርክብ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት እዩ። ብመገዲ ምንቕቓሕ ወይ ብምርስሳን ጉድበ፡ እታ ጓለንስተይቲ ጥርዘ ስምዒት ክስምዓ ይኽእል። እዚ ንላዕለዋይ ወገን ጉድበ ብምትንካፍ ክፍጸም ይኽእል፡ እንተኾነ’ውን ብመገዲ ከናፍር ርሕሚ ይፍጸም እዩ።

1፡ ኣንፊ መትሎ ። 2፡ ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ 3፡ ስምዒት ዘለዓዕሉ እኩባት ኣካሊት 4፡ ኣብ ድርኩዅት ርሕሚ ዝርከብ ስምዒት ዘለዓዕል ኣካሊት 5፡ ክፉት መትረብ ሽንቲ 6፡ ርሕሚ