ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-
ዓይነታት ኣካላት ናይ ደቂ-ኣንስትዮ
ናይ ነፍሲ-ወከፍ ጓለንስተይቲ ኣካላት ዝተፈልየ መልክዕ ኣለዎ። ናይ ጓለንስተይቲ ኣካላት እንታይ ክመስል ዝገልጹ ሕግታት የለዉን። ኣካላት በዞም ዝስዕቡ ክፈላለ ይኽእል፡ ንኣብነት፦
- ብሕብሪ ቆርበት፣
- ሓፈሻዊ መሸከል ወይ ቅርጺ፣
- ኣጥባት፣
- ክብደት፣
- ቁመት፣
- ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚ፣
- ብዝሕን ሕብሪን ጸጉሪ ፍረ-ነብስን ጸጉሪ ደጋዊ ኣካላትን ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ዝተፈላለያ ደቂ-ኣንስትዮ ኣካላት፦ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ጓለንስተይቲ ኣካላት መልክዑ ዝተፈልየ እዩ።
ስገለ ደቂ-ኣንስትዮ ንጸጉሪ ርሕመን ከምኡ’ውን ንጸጉሪ ኣካላተን ክላጽያኦ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ኣይላጽያን። እዚ ናታቶም ምርጫ እዩ።
እቲ ኣካላት እንታይ ይመስል፡ ንኣገባብ ዕማሙ ኣገዳሲ ኣይኮነን።