ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ዓይነታት ኣካላት ናይ ደቂ-ኣንስትዮ

ናይ ነፍሲ-ወከፍ ጓለንስተይቲ ኣካላት ዝተፈልየ መልክዕ ኣለዎ። ናይ ጓለንስተይቲ ኣካላት እንታይ ክመስል ዝገልጹ ሕግታት የለዉን። ኣካላት በዞም ዝስዕቡ ክፈላለ ይኽእል፡ ንኣብነት፦

  • ብሕብሪ ቆርበት፣
  • ሓፈሻዊ መሸከል ወይ ቅርጺ፣
  • ኣጥባት፣
  • ክብደት፣
  • ቁመት፣
  • ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚ፣
  • ብዝሕን ሕብሪን ጸጉሪ ፍረ-ነብስን ጸጉሪ ደጋዊ ኣካላትን ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ዝተፈላለያ ደቂ-ኣንስትዮ ኣካላት፦ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ጓለንስተይቲ ኣካላት መልክዑ ዝተፈልየ እዩ።

ስገለ ደቂ-ኣንስትዮ ንጸጉሪ ርሕመን ከምኡ’ውን ንጸጉሪ ኣካላተን ክላጽያኦ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ኣይላጽያን። እዚ ናታቶም ምርጫ እዩ።

እቲ ኣካላት እንታይ ይመስል፡ ንኣገባብ ዕማሙ ኣገዳሲ ኣይኮነን።