ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣብ’ታ ንፈለማ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝገበርክናላ፡ ጥንሲ ምሓዝ።

ሓንቲ ጓንስተይቲ፡ ድሕሪ ናይ ፈለማ ጽፍዮ እንቋቚሖኣ፡ (ናይ መጀመርያ ዑደታ ምስ ዝጋጥማ) ክትጠንስ ትኽእል። እዚ ማለት፡ እታ ጓለንስተይቲ ንጥንሲ ድልውቲ ስለዝኾነት፡ ቅድሚ ናይ ፈለማ ወርሓዊ ጽግያታክትጠንስ ትኽእል ማለት እዩ።

እታ ጓለንስተይቲ፡ ድሕሪ ናይ ፈለማ ጽፍዮ እንቋቑሖኣ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ፡ ን 6 መዓልቲ ጸጋይት እያ። ኣብተን ናይ ጽግያት መዓልቲታታ ጾታዊ ርክብ ዝገበረት ጓለንስተይቲ፡ ክትጠንስ ትኽእል እያ። ዋላ ኣብታ ንፈለማ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝገበረትላ ግዜ።

ሓደ ወዲ-ተባዕታይ፡ ኣብ’ታ ንፈለማ ግዜ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዘፍሰሰላ እዋን፡ ጸጋዪ እዩ። ኣብ እዋን ጉብዝናኡ፡ ንፈለማ ግዜ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ የመንጩ። ወዲ-ተባዕታይ ንጓለንስተይቲ ከጥንሳ ይኽእል እዩ። ዋላ ኣብታ ንፈለማ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝፈጸመላ ግዜ።

ቈልዑ ክትወልዱ እንተዘይደሊኹም፡ መከላኸሊ ጥንሲተጠቐሙ።