ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ምንዝርና / ሰራሕተኛ ፋይቶት

ምንዝርና ማለት፡ ብገንዘብ ወይ ካልእ ረብሓታት ብምቕባል፡ ንጾታዊ ርክብ ፍቓደኛ ምዃን ማለት እዩ። ኣብ ምንዝርና ዝነጥፉ ሰባት፡ ስራሕተኛታት ፋይቶት ወይ ኣመናዝር ይበሃሉ።

ስራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ-ኣንስትዮ ኮይነን፡ ንደቂ-ተባዕትዮ እየን ኣገልግሎት ዝህባ። ደቂ-ተባዕትዮን ስግረ-ጾታውያንን ሰባት ሰራሕተኛታት ፋይቶት ክዀኑ ይኽእሉ፡ ከምኡ’ውን ዓማዊላቶም ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ክዀኑ ይኽእሉ።

ቅደሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ንሓድሕድኩም ምዝርራብ

ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምፍጻም፡ ሰራሕተኛታት ፋይቶትን ዓማዊላቶምን፡ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ናይ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ እዮም ዝደልዩን ብኽንደይ ዋጋን ግድን ክመያየጡ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ናይ ኣፍ ጾታዊ ርክብ፡ ወይ ግብረ-ሕቡእ ወይ ድማ ብርሕሚ ሰንጢቕካ ዝግበር ጾታዊ ርክብ፡ ወይ’ውን ናይ ማሃንቱስ ጾታዊ-ርክብ።

ኩሎም ዓይነታት ጾታዊ ርክብ ምስ ሰራሕተኛ ፋይቶት ዝርርብ ክግበረሎም ይኽእል፡ ይኹን እምበር ንዅሉ ነገር ሕራይ ናይ ምባል ግቡእ የብላን። እንታይ ክግበረልኩም ከም ዝኽእልን ከምዘይክእልን፡ ከምኡ ድማ ዋጋኡ ክንደይ ምዃኑ ክሕበረኩም እዩ። ክልቲኦም ማለት እቶም ሰራሕተኛታት ፋይቶትን ዓማዊልን ደዶባቶምን ናይ ንሓድሕዶም ዶባትን ከኽብሩ ኣለዎም።

ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ ን ዓማዊልን፡ ኣብ ኣፍደገ እንዳ ኣመንዝራ እናተዘራረቡ

ውሑስ ጾታዊ ርክብን ኣካልዊ ንጽህናን

ውሑስ ጾታዊ ርክብ፡ ንኽልቲኦም ማለት ንሰራሕተኛታት ፋይቶትን ንዓማዊልን ኣገዳሲ እዩ። ውሑስ ጾታዊ ርክብ ብምግባር፡ ንገዛእ-ርእስኹምን ንኻልኦትን፡ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ካብ ዘይተደለየ ጥንስን ትከላኸሉ፡

  • መትሎኹም ናብ ውሽጢ ኣብ እተእትወሉ ግዜ (ናብ ርሕሚ ወይ ናብ መሃንቱስ ኣብ ዝግበር ጾታዊ ርክብ) ኮንዶም ተጠቐሙ። ኣብ ማይ-ዝተሰረተ መለሳለሲ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ኣስተውዕሉ፦ ኣብ ዘይቲ-ዝተሰረተ መለሳለሲ፡ ነቲ ኮንዶም ክቐዶ ይኽእል እዩ።
  • ናይ ኣፍ ጾታዊ ርክብ (ምጥዋብ መትሎ) ክትገብሩ እንከለኹም፡ ኮንዶም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ርሕሚ ክትልሕሱ እንከለኹም፡ ነቲ ኮንዶም ቀዲድኩም ክፈትዎ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚ ገበርዎ ወይ መከላኸሊ ስኒ ተጠቐሙ።
  • ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽሙ፡ ብጾታዊ ርክብ ናይ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ናይ ኤች.ኣይ.ቪን መርመራ ንምግባር፡ ምስ በዓል ምያ ጥዕና ተዘራረቢ።
  • ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኣልኮልን ሓሽሽን ክትጥቀሙ እንከለኹም ጥንቃቐ 1ግበሩ። ስምዒትኩም ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚኹም ይትሕት፡ ከምኡ ድማ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣታት ናይ ምግንዛብ ክእለትኩም ይንኪ።

ጾታዊ ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም፡ ኮንዶም ተጠቐሙ።

ኣብ ውልቃዊ ኣካላዊ ንጽህናኹም ጽሬት ኣለዉ። ንኣብነት፦ ነብስኹም ተሓጸቡ፡ ጽሩይ ናይ ውሽጢ ክዳን ግበሩ፡ ኣስናንኩም ኣጽሪዩ ወዘተ። ከምዚ ብምግባር፡ ኣካላትኩም ትከናኸኑን ንሰራሕተኛ ፋይቶት ኣኽብሮትኩም ተርእዩን።

ማዕዳ ንሰራሕተኛታት ፋይቶት

ከም ሰራተኛ ፋይቶት፡ ነዞም ዝስዕቡ እንተገበርኩም ጽቡቕ እዩ፡

  • ኣቐዲምኩም ክፍሊትኩም ክትቕበሉ ምሕታት፡
  • ንሕልናኽኡም እመኑ፡ ዘጠራጥሩ ዓማዊል ኣወግዱ፡
  • ናይ ባዕልኹም ዶባት ሓለዉ። ብዛዕባ ክትገብርዎ እትደልዩን ዘይትደልዩን ነገራት ምስ ዓሚልኩም ብግልጺ ተዘራረቡ። ኣንጻር ፍቓድኩም ክትገብሩ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ከገድደኩም ኣይክእልን እዩ።
  • ውሑስ ሃዋህው ፍጠሩ። ንኣብነት፦ ኣብ ሆቴል ስርሑ፡ ንኣዕሩኽትኹም ሓብሩ፡ ኣስማትን ቁጽሪታት ተሌፎንን ጸሓፉ።

ገለ ነገር ጽቡቕ ከምዘየለ እንተ ሓሲብኩም፡ ነቲ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝዀነ ሃዋሁው ከተቋርጽዎ መሰል ኣለኩም።

ሰራሕተኛ ፋይቶት ምስ እትዀኑን ሕቶታት ድማ ምስ ዝህልወኩምን፡ ወይ ሓገዝ ምስ እትደልዩ፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዚሮም ዘለዉ ፍሉያት ትካላት ክትውከስዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ቤት ጽሕፈት ምንዝርናን ሕግን

ኣብ ከም ኔዘርላንድስ ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ምንዝርናን ሕጋዊ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ቤልጁምን ጀርመንን ድማ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ብሕጊ ፍቑድ እዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ሕጋዊ ኣይኮነን።

ኣስገዳዲ ምዝርናን ንግዲ ደቂ-ኣዳምን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤውሮጳ ብሕጊ ክልኩልእዩ።