ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ዓይነታት ጾታዊ-ርክብ

ጾታዊ-ርክብ መብዛሕትኡ ግዜ ብምድርራዝ፡ ብምትሕቑቛፍ፡ ብምስዕዓም ከምኡ ድማ ናይ ሓድሕድኩም ንረስኒ ጾታዊ-ርክብ ዝተቓልዑ ናውቲ ኣካላትኩም ብምርስሳንወይምኩሻም ይጅመር። ክልቲኦም መጻምድቲ ጾታዊ ስምዒታቶም ምስ ተበራበረ፡ ተወሳኺ ስጋዊ-ርክብ ክገብሩ ክደልዩ ይኽእሉ። 

ኣብነት 1: ሰበይቲ ንሰብኣይ እናደራረዘት።

ኣብነት 2: ሰብኣይን ሰበይቲን እናተሓቛቖፉ።

ኣብነት 3: ወዲ-ተባዕታይን ጓለንስተይቲን እናተሰዓዓሙ።

ኣብነት 4: ወዲ-ተባዕታይ ናይ ጓለንስተይቲ ጡብ እናለሓሰ።

ብርሕሚ ዝግበር ጾታዊ ርክብ

ብርሕሚ ዝግበር ጾታዊ ርክብ (ብርሕሚ ዝግበር ግብረስጋ) ዝቐንዐ መትሎ ናብ ርሕሚ እታ ጓለንስተይቲ ብምእታው ዝፍጸም ጾታዊ-ርክብ እዩ።

ናይ ርሕሚ ጾታዊ-ርክብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትፍጽሙ ትኽእሉ:

  • ጾታዊ ርክብ እትፍጽምሉ ኣቋውማ ክትቀያይሩ ትኽእልኡ ኢኹም: ደቂስኩም፡ ኮፍ ኢልኩም፡ ጠጠው ኢልኩም ወይ ተጎምቢሕኩም፡ ሰብኣይ ብላዕሊ፡ ሰበይቲ ብላዕሊ ወይ ከኣ ሰብኣይ ብድሕሪ ሰበይቲ።
  • ነቲ ቅልጣፈ፡ ህርመትን ጻዕቅን ናይቲ ምንቅስቓስ እውን ክትቀያይሩዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ብተወሳኺ እውን ከም ዲልዶ ወይ ከኣ መንቀጥቀጢ (ናይ ጾታዊ-ርክብ ባምቡላታት) ዝኣመሰሉ ግኡዝ ነገራት ብምጥቃም፡ ናይ ርሕሚ ጾታዊ-ርክብ ምፍጻም ይከኣል እዩ።

ወዲ-ተባዕታይን ጓለንስተይቲን ጾታዊ-ርክብ እናፈጸሙ።

እታ ጓለንስተይቲ ጥንሲ ክትሕዝ ትኽእል እያ እንተድኣ ንሳን መጻምድታን ኣብ እዋን ናይ ርሕሚ ጾታዊ-ርክብ ኮንዶም ወይ ካልእ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ ዘይተጠቒሞም።

ናይ ርሕሚ ጾታዊ-ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ንመጻምድትኹም ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከተሕልፍሎም ትኽእሉ ኢኹም። ኮንዶም ብጾታዊ-ርክብ ንዝመሓላለፍ ረኽሲ ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ

ኮንዶም

ናይ ኣፍ ጾታዊ ርክብ

ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ ማለት እቶም ንረስኒ ጾታዊ-ርክብ ዝተቓልዑ ናይ መጻምድኹም ክፍሊታት ሰኣካላት ብኣፍኩም፡ ብከናፍርኩምን ብመልሓስክኡምን ምርስሳን ማለት እዩ።

  • ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ ምስ ጓለንስተይቲ: እቲ መጻምድቲ ንጾታዊ ኣካላት እታ ሰበይቲ ይልሕስ፡ ይጦቡ፡ ይመጥጥ ወይ ከኣ ኣፍኲሱ ይነክስ። ጉድበ። ብፍላይ ጉድበ ኣዝዩ ተተንካፊ እዩ።
  • ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ ምስ ወዲ-ተባዕታይ: እታ መጻምድቲ ብኣፋ፡ ብመልሓሳን ብኸናፍራን ገይራ ናይቲ ሰብኣይ መትሎን ከረጢት ፍርንጭትን ተረሳስን።

ብተወሳኺ ናይ መጻምድትኻ ጫፍ ኣጥባት ወይ ማሃንቱስ ብመልሓስካ ከተረሳስን ትኽእል።

ወዲ-ተባዕታይ ንጓለንስተይቲ ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ እናገበረላ።

ጓለንስተይቲ ንወዲ-ተባዕታይ ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ እናሃበቶ።

ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ ምፍጻም ንመጻምድትኹም ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ርኽሲ ከተሕልፉሎም ወይ ንሶም ከሕልፉልኩም ዘኽእል ትሑት ስግኣተ-ሓደጋ ኣለዎ:

  • ኣብ ውሽጢ ወይ ኣብ ከባቢ ኣፍኩም ሕበጥ፡ መጕዳእቲ ወይ ከኣ ቁስሊ እንተሃልዩኩም ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ ኣይትግበሩ።
  • ናይ ርሕሚ ፈሳሲ፡ ደም ወይ ከኣ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ኣፍኩም ከይኣቱን ከይትውሕጡዎን ተጠንቀቑ።
  • ነፍስኹም ብዝበለጸ ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ጾታዊ ኣካላትኩም ናይ ስኒ መከለኸሊ ግበሩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ክንዲ መከላኸሊ ስኒ ኮንዶም ቀዲድኩም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ መሃንቱስ ጾታዊ-ርክብ

ናይ መሃንቱስ ጾታዊ-ርክብ ማለት መትሎ ወይ ናይ ጾታዊ-ርክብ ባምቡላ ናብ ማሃንቱስ ብምእታው ዝግበር ጾታዊ-ርክብ እዩ። ብተወሳኺ ንማሃንቱስ ኣጻብዕትኹም ከተእትዉሉ ወይ ከኣ ክትደራርዙዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ማሃንቱስ ጾታዊ-ርክብ ብምፍጻም ንመጻምድትኹም ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከተሕልፈፉሎም ትኽእሉ ኢኹም:

  • ኮንዶም ተጠቐሙ። ናብ ናይ ብልዕቲ ጾታዊ-ርክብ ወይ ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ ክትሓልፉ እንተደሊኹም ሓድሽ ኮንዶም ተጠቐሙ።
  • ብዙሕ መለሳለሲ ቅብኣት ተጠቐሙ። ኣብ ማይ መሰረት ዝገበረ ወይ ከኣ ናይ ሲልኮን መለሳለሲ ቅብኣት ተጠቐሙ። ኮንዶም መታን ከይቕደደኩም ዘይቲ ወይ ክሬም ኣይትጠቐሙ።

2 ደቂ-ተባዕትዮ ናይ ማሃንቱስ ጾታዊ-ርክብ እናፈጸሙ።

ግብረ-ሕቡእ

ግብረ-ሕቡእ ማለት ንናይ ባዕልኩም ኣካላት ብፍላይ ንብልዕቲ፡ ጉድበ፡ መትሎ፡ ጫፍ ጡብ ወይ ከኣ ማሃንቱስ ብኣእዳውኩም ወይ ከኣ ብናይ ጾታዊ-ርክብ ባምቡላ ብምርስሳን ንገዛእ ርእስኹም ጾታዊ-ርክብ ባህታ ምፍጣር ማለት እዩ።

ምስ መጻምድትኻ ምዝርራብ

ብዝተፈላለየ መንገዲታት ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሙ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሉ ሰብ ዝደልዮ ዓይነት ጾታዊ-ርክብ ተመሳሳሊ ክኸውን ኣይክእልን። ብዛዕባኡ ምስ መጻምድትኹም ተዘራረቡን ክልቴኹም እትፈትዉዎ ነገር ንምርካብ ፈትኑን።

እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣቋውማታት ጾታዊ-ርክብ ስእላዊ መግለጺ ይህብ። ብቋንቋ ሆላንድ ጥራሕ ድማ እዩ ዝርከብ። 

መጻምዲ ኣብ ዓራት ኰይኖም እናተዘራረቡ።