ጥርዘ ስምዒት
ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ፡ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ብዝተፈላለየ መድረኽ ምልዓል ስምዒት ክሓልፉ ይኽእሉ። እቲ ዝለዓለ መድረኽ ምልዓል ስምዒት፡ ጥርዘ ስምዒት እዩ።
ምፍሳስ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ
ደቂ-ተባዕትዮ፡ ጥርዘ ስምዒት ኣብ ዝበጽሕሉ፡ ዝበዝሕ ግዜ ዘርኢ የፍስሱ። ገለ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ጥርዘ ስምዒት ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ከም ፈሳሲ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ካብ ርሕመን ቀጢን ጻዕዳ ፈሳሲ ይፍንዋ።
ጥርዘ ስምዒት ጓለንስተይቲ
ደቂ-ኣንስትዮ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ጥርዘ ስምዒት ክበጽሓ ይኽእላ እየን። ንኣብነት በዞም ዝስዕቡ፦
- ብምርስሳን ጉድበ፡
- ንርሕሚ ብምስንጣቕ፡
- ብምርስሳን ከም መሃንቱስን ጫፋት ጡብን ዝኣመሰሉ ካልኦት ክፍልታት ኣካላት።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ጥርዘ ስምዒት ንኸስተማቕራ፡ ዝበዝሕ ግዜ ካብ ምስንጣቕ ርሕመን ንላዕሊ ይጠልባ። እታ ጓለንስተይቲ ወይ እቲ መጻምዳ፡ ንጉድበ ወይ ካልኦት ክፍልታት ኣካላት ከረሳስኑ ይኽእሉ እዮም።
ዘዕግብ ጾታዊ ህይወት
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጾታዊ ርክብ እትገብሩሉ፡ ጥርዘ ስምዒት ክህልወኩም ኣይትድልየኩምን እዩ። ዝበዝሑ ሰባት፡ ኵሉ ግዜ ጥርዘ ስምዒት የብሎምን። እዚ ንቡር እዩ። ብዘይ ጥርዘ ስምዒት፡ ዘዕግብ ጾታዊ ህይወት ክህልወኩም ዝከኣል እዩ።
ብዙሕን ኣብ ሓደ እዋን ዝመጽእን ጥርዘ ስምዒት
ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኣከታቲሎም ብዙሕ ጥርዘ ስምዒት ከስተማቕሩ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ግን ኵሉ ግዜ ዘጋጥም ኣይኰነን።
- ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ጥርዘ ስምዒት ክህልወን ይኽእል እዩ።
- ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ መንጎ 2 ጥርዘ ስምዒታት፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ የድልዮም። ኣብ ካልኣይ ጥርዘ ስምዒት ቅድሚ ምብጽሖም፡ ገለ ደቓይቕ ወይ ሰዓታት ክወስደሎም ይኽእል እዩ። ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ጥርዘ ስምዒት እንተበጺሑ፡ ኩሉ ግዜ ዘርኢ ከፍስስ ኣይክእልን እዩ።
መጻምድቲ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት (ብሓደ ግዜ) ኣብ ጥርዘ ስምዒት ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዚ ዝበዝሕ ግዜ ኣየጋጥምን እዩ፡ ምኽንያቱ ጥርዘ ስምዒት ክትቆጻጸሮ ኣጸጋሚም ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዝበለጸን ተመራጽን ከኣ፡ ደስታ ክህልወካ እዩ።