ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ
ኣብ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ፡ እቲ ዕሸል ብናይ ኣደኡ ርሕሚ ይውለድ። ኣብ ናይ መጀመርያ ሕርሲ፡ ቈልዓ ንክውለድ ካብ 10 ክሳዕ 12 ሰዓታት ክወስድ ይኽእል። ኣብ ካልኣይ ሕርሲ ግን ዝወሓደ ግዜ እዩ ዝወስድ።
እቲ ቈልዓ ቅድሚ ምውላዱ፡ እታ ኣደ ናይ ኣካላታ ምጭብባጥ የጋጥማ። እቶም ኣብ ማህጸን ዝርከቡ ጭዋዳታት ይጨባበጡ። ምጭብባጥ ክፍሊታት ኣካላት ከጋጥመክን ከሎ፡ መሕረሲት ጸውዓ።
ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ: ኣደ ንቖልዓ እናሓረሰት።
ምጭብባጣት
እቲ ምጭብባጣት ነቲ ክሳድ ማህጸን (ኣፍ ደገ ማህጸን) ይኸፍቶ። እቲ ክሳድ ማህጸን ክንዲ ዝኣክል ክገፍሕ እንከሎ፡ ንሕርሲ ድሉዋት ኣለኽን ማለት እዩ።
ነቲ ኣብ እዋን ምጭብባጥ ዝስመዓክን ቃንዛ ንምንካይ:
- ናብ’ዚን ናብቲን ተንቀሳቐሳ፡
- ሜላታት ምትንፋስ ተጠቐማ፡
- መታን ክትዛነያ፡ ኣካላትክን ማይ ተሓጸባ፡
- ከም ምዉቕ ትርኣስ ወይ ኵዕሶ ሰድያ ዝኣመሰሉ መደገፍታ ግበራ፡
- ኣብ ሆስፒታል ወይ ኣብ ማእከል ጥዕና ትሓርሳ ምስ እትዀና፡ ብመገዲ PCA-ፓምፕ ወይ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ሕቖኽን መርፍእ ብምውጋእ፡ ጸረ-ቓንዛ ክወሃበክን ሕተታ። እቲ መርፍእ ኮፍ ኢልኪ ወይ ደቂስኪ ክትውግእዮ ትኽእሊ።
ደቂ-ኣንስትዮ ምጭብባጥ ኣካላት ከጋጥመን እንከሎ።
ጠጠው ዝበለት ጥንስቲ ሰበይቲ። እቲ ዘይተወልደ ዕሸል ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኣሎ እቲ ጠመተ ከኣ ኣብ ውሽጣዊ ጾታዊ ናውቲ ኣካላት ኣሎ።
እቶም ምጭብባጣት፡ ነቲ ናብ ማህጸን ዘሕልፍ ክሳድ ማህጸን ከምዝኽፈት ይገብሩ።
እቲ ክሳ ድማህጸን መሊሱ ይገፍሕ እዩ።
እቲ ክሳድ ማህጸን ብዝግባእ ምስ ዝገፍሕ፡ እቲ ዕሸል ክውለድ ይኽእል።
ሓኪም ኣብ ትሕቲ ሽምጢ (ብላዕሊ) መደንዘዚ ክህብ ከሎ፦ እዚ ኣብ እዋን ምጭብባጥ ንዝርአ ቃንዛ ንምንካይ፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ሑቐ ዝውጋእ መርፍእ እዩ።
ናይ መሕረሲ ቦታ
ኣበይ ክትሓርሳ ከምእትደልያ፡ ምስ መሕረሲትክን ተዘራረባ። ኣብ ኔዘርላንድ፡ ብሓገዝ መሕረሲት፡ ኣብ ገዛኽን ወይ ኣብ ሆስፒታል ወይ ድማ ኣብ ናይ ወሊድ ማእከል ኮንክን ክትሓርሳ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለክን። ኩነታት ጥንስኽን፡ ሓኪም ማህጸን ክከታተሎ እንተ ጸኒሑ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ሆስፒታል ኢኽን ትወልዳ።
ኣብ እዋን ሕርሲ፡ መጻምድኺ ወይ ካልእ ዝመረጽክዮ ሰብ ምሳኽኢ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።
ኣብ እዋን ምጭብባጥ ኣካላት፡ እታ መሕረሲት ወይ እታ ተሓጋጋዚት መሕረሲት ክትከታተለክን እያ።
ብተወሳኺ፡ እታ መሕረሲት፡ ክሳድ ማህጸን ብዝግባእ ተኸፊቱ እንተሎ ንምርፍላጥ፡ ናይቲ ዕሸል ህርመት ልቢ ክትልክዕን ውሽጣዊ መርመራ ክትገብርን እያ። እቲ ክሳድ ማህጸን ምሉእ ብምሉእ ተኸፊቱ እንተ ደኣ ሃልዩ፡ ምድፋእ ክትጅምራ ትኽእላ ኢኽን።
ዝበዝሕ ግዜ፡ ናይ’ቲ ቈልዓ ርእሲ ክወጽእ እንተጀሚሩ፡ እቲ ፈንዶት (perineum) ይቕደድ እዩ። መሕረሲትክን ወይ ናይ ምህጸን ሓኪምክን ክሰፍዮ እያ።
እቲ ዕሸል ካብ ርሕሚ ይወጽእ። እቲ ዕትብቲ ይቑረጽ እዩ።
ድሕሪ ሕርሲ ካብ 10 ክሳዕ 30 ደቓይቕ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ መዳሕንቲ ካብ ኣካላት ይወጽእ።
ዕትብቲ ዝቖርጽ ኣቦ ናይቲ ዕሸል እዩ።
ድሕሪ ሕርሲ፡ መዳሕንቲ ካብ 10 ክሳዕ 30 ደቓይቕ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካብ ኣካላት ጓለንስተይቲ ይወጽእ።