መከላኸሊ ጥንሲ እንታይ እዩ፧
ውጥን ስድራቤት
መከላኸሊ ጥንሲ ንደቂ-ኣንስትዮ ካብ ጥንሲ ምሓዝ ይከላኸለለን።
ንስኺን መጻምድቲኽን ቆልዑት ክትወልዱ የድልየኩምዶ፡ መዓስ ክትወልዱዎም ኣለኩምን ክንደይ ክትወልዱ ኣለኩምን ክትውስኑ ትኽእሉ። እዚ ውጥን ስድራቤት ይበሃል። ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሙ እምበር፡ ቈልዓ ክትወልዱ መደብ እንድሕር ዘይብልኩም ኰይኑ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ብምጥቃም ጥንሲ ከተወግዱዎ ትኽእሉ ኢኹም።
መከላኸሊ ጥንሲ ንጓል-ኣነስተይቲ ናይ ምጽጋይ ዓቕማ ኣይንክዮን። መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቓም ኣብ እተቋርጸሉ እዋን፡ ቈልዑ ክትወልድ ትኽእል እያ።
ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪን ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን
ኮንዶም ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኰይኑ እንተላይ ብ ኤች.ኣይ.ቪ ንኸይትልከፉ ይከላኸልን ብጾታዊ-ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽሲታት የጕድልን።
ኮንዶም
እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ
እተፈላለየ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣለዉ። ንዓኺን ንመጻምድትኽን ኣየናይ ኣገባብ እዩ ዝበለጸ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ። እቶም ሜላታት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም፡ ንኣብነት:
- ብዋጋኦም;
- ብተረካብነቶም;
- ሜላ ኣጠቓቕማኦም።
መከላኸሊ ጥንሲ ንጥዕና ናይ ሓደ ሰብ ሕማቕ ኣይኰነን። ሓደ-ሓደ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ናይ ካልኦት ሰባት ብዝበለጸ ምስ ናይ ገለ ሰባት መነባብሮ፡ ዕድመን ኣካላዊ ኩነታትን ይሳነዩ።
መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምኩምሉ እዩ ጽቡቕ ዝሰርሕ። በዚ ምኽንያት፡ ብዝበለጸ ምሳኹም ክሳነ ዝኽእል ሜላ ምምራጽ ኣድላዪ እዩ። ሓደ ሜላ እንድሕር ኣባኹም ዘይስአርሕ ኰይኑ፡ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ካብ ብዓል-ሞያ ጥዕና ምኽሪ ሕተቲ። ብዓል-ሞያ ጥዕና ዝዀነ ናትኩም ሓበሬታ ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይክእልን። ንሳቶም ናትኩም ሚስጥርነት ከኽብሩ ብሕጊ ግዴታ ኣለዎም። ብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኹም ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ምዕዳግ መከላኸሊ ጥንሲ
ናይ ወዲ-ተባዕታይ ኮንዶምን ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ኮንዶምን ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት፡ ካብ ቀማማይ ወይ ከኣ ካብ ዓቢ ድኳን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኮንዶም ካብ ኢንተርኔት እውን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም፡ ንኣብነት https://www.condoomsenzo.nl/።
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ናይ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ (morning after pill) እውን ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት ወይ ካብ ቀማማይ ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ብመሰረት ትእዛዝ ብዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ጥዕና፡ ንመብዛሕትኦም ካልኦት ዓይነታት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ክትዕድጉዎም ትኽእሉ ኢኹም።