ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ
ዓገትቲ መላታት
እዚ ገጽ እዚ፡ ጥንሲ ኣብ ምክልኻል ክሕግዘና ዝኽእል ዝርዝር ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዝሓዘ ኣዩ። ብዛዕባ ምዅላፍ ጥንሲ ዝምልከት ሓበሬታ ትደልዩ እንተ ደኣ ሃሊኹም፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ተመልከቱ፦ ምንጻል ጥንሲ.
ዓገትቲ ሜላታት መከለኸሊ ጥንሲ፡ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ዋህዮ እንቋቚሖ ከይበጽሑ ይኽልክሉ። እዞም ዓይነታት መከላኸሊ ጥንሲ፡ ኣካላዊ ክልከላ ይገብሩ:
ሆርሞናዊ ሜላታት
እቶም ሆርሞናት ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ንዋህዮ እንቋቚሖ ከይጸግዩዎ ይኽልክሉ፡
- ጽፍዮ እንቋቚሖ ይከላኸሉ።
- እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ማህጸን ኣትዮም ምስ ዋህዮታት እንቋቚሖ ከምዘይራኸቡ ይገብሩ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ሆርሞናት ዋህዮ እንቋቚሖ ከምዘይትከል የረጋግጹ፡-
ሆርሞናዊ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝኣቱ መከላኸሊ ጥንሲ ማለትIUD
ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ
መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ
ኣብ ውሽጢ ማህጸን ብሓኪም ዝስኩዑ ሜላታት
እቲvሓኪም እዞም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ውሽጢማህጸን ጓለንስተይቲ የቐምጦም፡
ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤት
ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤት ማለት፡ ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ዘይምጥቃም ማለት እዩ። እተፈላለዩ ሜላታት ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤት ኣለዉ፡
- ጾታዊ ርክብ ዘይምግባር።
- እታ ጓለንስተይቲ ኣብ እትጸግየሉ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘይምግባር።
- ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናውካ መትሎኻ ካብ ርሕሚ ምውጻእ።
- ጡብ ምጥባው።
እዞም ሜላታት ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎም ኣጸገምቲ እዮም። እዚ ማለት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ዕድሎም ትሑት እዩ ማለት እዩ። እዚ ማለት፡ ብዙሕ ዝተኣማምኑ ኣይኰኑን፤ ማለት እታ ጓለንስተይቲ መዓስ መዓልቲ እያ እቲ ቀንዲ እትጽግየሉ እዋን ክትግምቶ ኣጸጋሚ እዩ። ጡብ ምጥባው ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ኵነታት ጥራይ እዩ ካብ ጥንሲ ዝከላኸል። ንመትሎ ወዲ-ተባዕታይ ቅድሚ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ምፍናው ካብ ርሕሚ ምውጻእ፡ ቅድሚ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ምፍናው ዋሆዮታት ዘርኢ ናይ ፈሳሲ ካብ መትሎ ጥብጥብ ክብልን እዚ ድማ ጥንሲ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ቀዋሚ መከላኸሊ ጥንሲ
ምምካን ነባሪ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እቲ ሓኪም፡ ኣብ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ኣብ ጓለንስተይቲ ንእሽተይ መጥባሕቲ የካይድ። ምምካን፡ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ዋህዮ እንቋቚሖ ከምዘይበጽሑ ይገብር።
ምንጻል ጥንሲ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኣይኰነን። ምስ ጠነስክንን ንጥንስኽን ከተቋርጽኦ ምስ እትደልያን፡ ምንጻል ጥንስ ከተካይዳ ትኽእላ ኢኽን።
ብሓባር ሓላፍነት ምስካም
ኣብ መከላኸሊ ጥንሲ ክልቲኦም መጻምድቲ ሓባራዊ ሓላፊነት ኣለዎም። ብዛዕባኡ ምስ መጻምድትኻ/ኺ ተዘራረቡ።