ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጓለንስተይቲ እትጸግየሎም መዓልቲታት

ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ኣስታት 6 ክትጠንስሎም እትኽእሊ መዓልቲታት ኣለዉ: ኣስታት 5 መዓልቲ ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋቑሖ ከም ኡድማ 1 መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖ። መዓስ ጥንሲ ክትሕዚ ከምእትኽእሊ ንምፍላጥ፡ ዝቕጽል ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ መዓስ ከምዝኸውን ምፍላጥ የድልየኪ። እዚ ንምግማቱ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጽፍዮ-እንቋቑሖ ዝፍጠረሉ መዓልቲ ብኸመይ ትጽብጽብዮ

ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዑደትኪ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ዝጸንሐሉ ንውሓት መዓልቲታት ማዕረ እንተኾይኑ፡ መዓልቲ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምጽብጻብ ትኽእሊ ኢኺ። ጽፍዮ-እንቋቑሖ ካብቲ ዝቕጽል ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜ (ናይ ሓድሽ ዑደት መጀመርያ) ቅድሚ 14 መዓልቲታት እዩ ዝኽሰት።

ኣብነት 1 - ስሩዕ ዑደት 28 መዓልቲ: እቲ ጽፍዮ እንቋቑሖ ኣብ ከባቢ መበል 14 መዓልቲ ዑደትኪ ይኽሰት። ኣስታት 5 መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን 1 መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን ኣብ ዘሎ ግዜ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብነት 2 - ስሩዕ ዑደት 23 መዓልቲ: እቲ ጽፍዮ እንቋቑሖ ኣብ ከባቢ መበል 9 መዓልቲ ዑደትኪ ይኽሰት። ኣስታት 5 መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን 1 መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን ኣብ ዘሎ ግዜ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብነት 3 - ስሩዕ ዑደት 34 መዓልቲ: እቲ ጽፍዮ እንቋቑሖ ኣብ ከባቢ መበል 20 መዓልቲ ዑደትኪ ይኽሰት። ኣስታት 5 መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን 1 መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን ኣብ ዘሎ ግዜ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ሓሙሽተ መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋዉሖኺ ምኽሳቱን ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን ኣብ ዘሎ ግዜ ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽሚ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ። ጽፍዮ-እንቋቝሖ መዓስ ከምዘጋጥም ኣቐዲምካ ክትግምቶ ኣጸጋሚ እዩ። 

ምልክታት ጽፍዮ-እንቋቑሖ

ዑደትኪ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ዘለዎ ንውሓት ግዜ ዝፈላለ እንተኾይኑ፡ ዝቕጽል ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ መዓስ ከምዝኽሰት ክትግምቲ ኣይትኽእሊን። ኣብ እዋን ጽፍዮ-እንቋቑሖ ኣብ ኣካላትኪ ንዝፍጠሩ ምልክታት ጠመተ ግበሩሎም:

  • ካብ ርሕምኺ ብዙሕ ፈሳሲ ትፍንዊ። እቲ ፈሳሲ ቁሩብ ንእንቋቑሖ ዝመስል ጻዕዳን ፍሕሶኣዊን እዩ;
  • ሙቐት ኣካላትኪ ቁሩብ ይውስኽ;
  • እቲ ክሳድ ማህጸን ይብርኽን ኣብ ርሕሚ ንኽፍለጠኪ ዚያዳ ኣጸጋሚ ይኸውንን። ቁሩብ ይርሕብን ይልስልስን።

ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጽፍዮ-እንቋቑሖ ቃንዛ ከብዲ (ናይ ጎሎ ቃንዛ) ይስመዐን።

መከላኸሊ ጥንሲ

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ቈዑል ክትወልዳ ድሌት እንተዘይብልክን፡ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐማ።