ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ምትሕልላፍ ረኽሲታት ካብ ኣደ ናብ ዕሸል

ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት

ዘይተፈወሰ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንተሃልዩኪ ናብቲ ዕሸል ከተመሓላልፍዮ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንድሕር ዘይተፈዊሱ ነቲ ዕሸል ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለኪ እንተፈሊጥኪ፡ ምስ በዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይ ከኣ ምስ መሕረሲትኪ ተዘራረቢ። ንሳቶም እቲ ዕሸል ንምክልኻል ቅኑዕ ስጕምቲታት ንምውሳድ ክሕግዙኺ እዮም።

ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕሸል ዝዀነ ሓደጋ ብዘየስዕብ መንገዲ መብዛሕትኦምብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ይኽእሉ እዮም፡ ብዘይካ ብዓይነት ቢ ዝፍለጥ ወይቦ። ብዓይነት ቢ ንዝፍለጥ ወይቦ ብዝምልከት ግን፡ እቲ ዕሸል ምስ ተወልደ ክኽተብ እዩ።

ኣብተን ናይ መወዳእታ 3 ኣዋርሕ ናይ ጥንሲ ኣብ ርሕሚ ብቫይረስ ዝመጽእ ቈርበት ዘቚስል ሕማም ምስ ዝፍጠር ነቲ ዕሸል ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተዘራረቢ።

ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ብዙሓት ረኽሲታት ከይህልዉዋ ኩሉ ግዜ ምርመራ ይግበረላ እዩ። ናይ ሓደ እተወሰነ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ መርመራ ክትገብሪ እንተደሊኺ፡ ንመሕረሲትኪ ወይ ከኣ ንናይ ማህጸን ሓኪምኪ ክትሓቲ ኣለኪ። 

ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ብዙሓት ረኽሲታት ከይህልዉዋ ኩሉ ግዜ ምርመራ ይግበረላ እዩ። ናይ ሓደ ዝተወሰነ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራ ክትገብሪ እንተደሊኺ፡ ንሓኪምኪ ክትሓቲ ኣለኪ።

ኤች.ኣይ.ቪ

እንተድኣ ኤች.ኣይ.ቪ ኣለኪ ኮይኑ፡ ገና ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ናጻ ዝዀኑ ቆልዑት ክትወልዲ ትኽእሊ ኢኺ:

  • ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋ ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን መድሃኒት ክትወስድ ኣለዋ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ልዕሊ 99% ህጻናት ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ናጻ ኮይኖም ይውለዱ።
  • እቲ ቆልዓ ኩሉ ግዜ ብመጥባሕቲ እዪ ዝውለድ። እቲ ሓኪም ውሑስ እዩ ኢሉ እንተኣሚኑ እቲ ህጻን ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ እውን ክውለድ ይኽእል እዩ።
  • እቲ ቆልዓ ምስ ተወልደ መድሃኒታት ይወሃቦ።
  • እታ ኣደ ነቲ ህጻን ጡብ ከተጥቡዎ ኣይትኽእልን። እቲ ጸባ ጡብ ኣደ ኤች.ኣይ.ቪ ኣለዎ። ምስ ቆልዓኺ ትተኣሳሰርሎም ካልኦት መንገዲታት ኣለዉ።

ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋ ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ኣብ እዋን ጥንሲ መድሃኒታት ክትወስድ ኣለዋ።

እቲ ቆልዓ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብመጥባሕቲ እዩ ዝውለድ።

እቲ ቆልዓ ምስ ተወልደ መድሃኒታት ይወሃቦ።

እታ ኣደ ነቲ ህጻን ጡብ ከተጥቡዎ ኣይትኽእልን። እቲ ጸባ ጡብ ኣደ ኤች.ኣይ.ቪ ኣለዎ።

እታ ኣደ ነቲ ቆልዓኣ ጡጦ ትምግቦ።