ናይ ግዜኡ ጾታዊ ርክብ
ናይ ግዜኡ ጾታዊ ርክብ፡ ኣብ ሞንጎ’ቶም ጾታዊ ርክብ ዝደልዩ ሰባት ዝተሰረተ ርክብ እዩ። ስለዚ፡ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጻምዲ ተወፋይነት ወይ ስምምዕ ድሩት እዩ። ናይ ግዜኡ ጾታዊ ርክብ፡ ናይ ሓደ ግዜ ርክብ ክኸውን ይኽእል፡ ወይ ድማ ብተደጋጋሚ ግዜ ከጋጥም ዝኽእል እዩ። ኣብ ገለ እዋናት እቶም መጻምዲ ኣቐዲሞም ተላልዮም ዝጸንሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ገለ እዋናት ከኣ ሽዑ ዝተላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ።
እቶም መጻምዲ ምስ ሓደ ወይ ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ካልእ ዓይነት ርክብ ወይ ዝምድና ዘለዎም ክኾኑ ይኽእሉ።
ምስ ብዙሓት መጻምዲ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ እንድሕር ትፍጽሙ ኮይንኩም፡ ብጾታዊ ርክብ ብዝመሓላለፉ ሕማማት ናይ ምትሓዝ ስግኣተ-ሓደጋኹም ክብ ዝበለ ይኸውን። ንገዛእ-ርእስኹም ንምክልኻልኮንዶም ተጠቐሙ።
ሓደ ወዲን ሓንቲ ጓልን ኣብ ባር ኮይኖም ይኳሸሙ ኣለዉ።