ስግረ-ጾታውያን
ስግረ-ጾታዊ ምለት፡’ ናይ ሓደ ሰብ ጾታምስ’ቲ ዝስምዖ ወይ ዘርእዮ ባህርያት ከወሃሃድ ወይ ሰማማዕ ከሎ እዩ።
ስግረ-ጾታዊ ናይ ጾታዊ ብዙሕነት ክበሃል’ውን ይከኣል እዩ። ብዙሓት ዓይነታት ስግረ-ጾታዊ ኣለዉ፡
- ገለ ሰባት ናይ ወዲን ናይ ጓልን ባህሪ ኣዋሂዶም ዝሓዙ እዩም። ንገዛእ-ርእሶም ከም ወዲን ጓልን ወይ ኣይ ጓል ኣይ ወዲ ጌሮም ይቖጽሩ።
- ገለ ስግረ-ጾታውያን፡ ንገዛእ-ርእሶም ገለ ግዜ ከም ወዲ ገለ ግዜ ድማ ከም ጓል ይቖጽሩዋ።
- ካልኦት ድማ፡ ነቲ ካልእ ጾታ ይመስሉን ይኽደኑን።
- ኣብ መወዳእታ፡ ጾታኦም ክቕይሩ ዝደልዩ ሰባት እውን ኣለዉ። ስግረ-ጾታውያን ሰባት ብመጥባሕቲን ሆርሞንን ናብቲ ዝደልዩዎ ጾታ ክቕይሩ ይኽእሉ እዮም። ስግረ-ጾታውያን ሰባት ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝደልዩን ዘይደልዩን ምዃኖም ክመርጹከምኡ ድማ እቲ ሕክምናኦም ክንደይ ዝኣክል ክቕጽል ከምዘለዎ ይውስኑ።
ስግረ-ጾታውያን ሰባት ጸገም ወይ ከኣ ሕማም የብሎምን።
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ልዕሊ ስግረ-ጾታውያን ሰባት ኣድልዎ ምግባር፡ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ንሰባት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክትሕዞምን ብሰንኪ ጾታዊ መንነቶም ከትግልሎምን ኣብ ልዕሊኦም ቀይድታት ክትገብርን ብሕጊ ክልኩል እዩ።
ስግረ-ጾታውያን ምዃንኩም ብግልጺ ምእዋጅ
ዝበዝሑ ሰባት፡ ስግረ-ጾታውያን ምዃኖም ክሓስቡ እንከለዉ፡ ኣዝዩ ዘደናግር ኰይኑ ይረኽብዎ። ንገዛእ-ርእስጋ ግኤ ምሃብ። ምስ’ቶም ትኣምንዎም ሰባት ተዘራረቡ፡ ወይ ሞያዊ ሓገዝን ደገፍን ርኸቡ።
ገለ ሰባት ዕቡዳት ኢና ኢሎም ይሓስቡ፡ ገለ ሰባት ከኣ ብዛዕባ መንነቶም ርግጸኛታት ኣይኮንናን ይብሉ፡ በቲ ዘለዎም ኣካላት ከኣ ሕጕሳት ኣይኮኑነ።
ብዛዕባ ሓሳባትኩምን ስምዒታትኩምን ክትዛረቡ ዝኸብደኩም እንተኾይኑ ምስ ፍሉይ ትካል ጥዕና ክትዛተዩ ትኽእሉ ኢኹም።
ስግረ-ጾታውያን ምዃንኩም ንኻልኦት ምዝራብ
ስግረ-ጾታውያን ምዃንኩም ንኻልኦት ምንጋር፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ዝበሃል መገዲ የለን። ከመይን መዓስን ንሰባት ክትነግሩ፡ እንታይ ምላሽ ከምትጽበዩ ከምዘለኹም ሕሰቡ፡ ከምኡድ መጻኢኹም ከመይ ከም እትርእይዎ ወስኑ።
ተቐላጢፍኩም ንኹሎም ሰባት ምንጋር ኣየድልየኩምን። ንኣብነት፡ ፈለማ ንናይ ጥዕና ሞያዊ ወይ ከኣ ንካልእ ስግረ-ጾታውዊ ሰብ ክትነግሩ ትኽእሉ። ሽዑኡ ንእትፈትውዎም ኣዕሩኽትኹም፡ ወለድኹምን ቤተሰብኩምን፡ ከምኡ ድማ ንካልኦት ሰባት ክትነግሩ ትኽእሉ።
ኣብ ቀጻሊ፡ ቁመናኹምን ስምኩምን እውን ክትቅይሩ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ሰባት፡ ኣባኹም ዘለዎም ኣረኣእያ ክቕይሩ ኣዝዩ ይኸብዶም እዩ።
ጾታዊነት
ብዙሓት ስግረ-ጾታውያን ሰባት ንኣካላቶም ኣይፈትዉዎን እዮም። እዚ ማለት፡ ጾታዊነት ከቢድ ነገር ኮይኑ ይረኽብዎ ማለት እዩ። እዚ ድሕሪ እቲ ብሆርሞናት ወይ ብመጥባሕቲ ዝግበር ሕክምና ክቕየር ይኽእል እዩ። ስግረ-ጾታውያን ሰባት ሽዑ ብዛዕባ ኣካላቶም ዝሓሸ ዕግበት ክስመዖም እዩ።
ሆርሞናት ኣብ ጾታዊ ድሌት ዓብዪ ጽልዋ የሕድሩ። ገለ ሰባት ልዑል ጾታዊ ድሌት ክህልዎም እንከሎ፡ ገለ ሰባት ከኣ ትሑት ጾታዊ ድሌት ኣለዎም። ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ሆርሞናት ጾታዊ ድሌት ክውስኹ እንከለዉ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ሆርሞናት ድማ ጾታዊ ድሌት ይንክዩ። መጥባሕቲ፡ ንጾታዊ ድሌት ከሕይሎ ይኽእል እዩ።
ምክልኻል ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤች.ኣይ.ቪን
ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ማለት ረኽሲታት ኰይኖም፡ ምስ’ቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ጾታዊ ምትንኻፍ ብምግባር ዝመሓላለፉ እዮም። ናይ ረኽሲ ስግኣተ-ሓደጋ ምክላኽል ይከኣል እዩ።
ጾታኦም ዝቐየሩ ደቂ-ተባዕትዮ (ክውለዱ እንከለዉ ኣንስታይ ኮይኖም ዝተወልዱ፡ ግና ናይ ተባዕታይ ጾታዊ መንነት ዘለዎም እዮም)፡
- ኣብ እዋን ብርሕሚ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ከምኡ’ውን ብማሃንቱስ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ተጠቐሙ። ብዝተፈላለየ ዓቐን ዝተዳለዉ ኣለዉ ኮንደማት። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክንዲ ኮምዶም ናይ ስኒ መከላኸሊ ምጥቃም ይከኣል እዩ።
- ናይ ብልዕቲ ምኽፋት ዘጋጥም እንተኾይኑ ድማ፡ ናይ ጓለንስተይቲ ኮንዶም ምጥቃም ይከኣል እዩ።
- ከምኡ’ውን፡ ኣብ እዋን ብመሃንቱስ ዝግበር ጾታዊ ርክብ፡ ኣብ ማይ ዝተሰረተ ወይ ኣብ ሲሊኮን ዝትሰረተ መለሳለሲ (ዘይቲ ዘይኰነ) ክጥቀሙ ኣለኩም። እዚ ነቲ ኮንዶም ከይቕደድ ይከላኸለሉ።
ጾታኦን ዝቐየራ ደቂ-ኣንስትዮ (ክውለዳ እንከለዋ ተባዕታይ ኮይነን ዝተወልዳ፡ ግና ናይ ኣንስታይ ጾታዊ መንነት ዘለዎወን እየን)፡
- ኣብ እዋን ናይ ርሕሚ ጾታዊ ርክብ ወይ ናይ ማሃንቱስ ጾታዊ ርክብ፡ ኮንዶም ክትጥቀሙ ኣለኩም። ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ናይ ርሕሚ ጾታዊ ርክብ ናይ ጓለንስተይቲ ኮንዶም ምጥቃም ይከኣል እዩ።
- ኩሉ ግዜ፡ ዋላ ኣብ እዋን ናይ ርሕሚ ጾታዊ ርክብ፡ መለሳለስቲ ተጠቐሙ። እዚ ነቲ ኮንዶም ከይቕደድ ይከላኸለሉ።
- ናይ ማሃንቱስ ጾታዊ ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ተጠንቀቑ፡ ምኽንያቱ እቲ ናይ ፈንዶት ቆርበት ረቂቕ እዩ።
ንስኻትኩምን እቲ ቀዋሚ መጻምድኹምን ፡ ክልቴኹም መርመራ ናይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ጌርኩም እንተ ዘይጸኒሕኩምንምስ ካልኦት ሰባት ጾታዊ ርክብ እንተዘይገይርኩምን፡ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ኵሉ ግዜ ውሑሳት ኢኹም
ኮንዶም
ኮንዶም ደቂ-ኣንስትዮ
ኣፍ ዝሽፍን ፕላስቲክ
ኣብ ማይ-ዝተሰረተ መለሳለሲ
ቈልዑ ናይ ምውላድ ድሌት
ናይ ሆርሞን ወይ ከኣ ናይ ጾታ ምቕያር መጥባሕቲ መኻንነት ከስዕብ ይኽል እዩ። እንተ ደኣ ቈልዑ ክትወልዱ ደሊኹም፡ ዋህዮ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ዝበረደ ዋህዮ ዘርኢ እንቋቚሖ ጓለንስተይቲ ክትመርጹ ትኽእሉ። ብዛዕባ እዚ ምስ ናይ ጥዕና በዓል ሞያዊ ተዛተዩ።