ልሙድ ነገር ምድግጋም
ዓሚቕ ፍቕራዊ ስሚዒታት ድሕሪ ሕላፍኩም፡ ስምዒታትኩም እናዘሓሉ ክመጹ ባህሪያዊ እዩ። ንሓድሕድኩም ብዝበለጸ ትፋለጡ፡ ከምኡ ድማ ንዝምድናኹም ጽቡቕ ገይርኩም ትጥቀሙሉ። ብድሕሪኡ፡ ብሓባር ምዃን ልሙድ ነገር ምድግጋም ክኸውን ይኽእል።
ንገለ ሰባት፡ ልሙድ ነገር ምድግጋም ጸገም ክኸውን እንከሎ፡ ንኻልኦት ከኣ መረጋግእን ደጊምካ መረጋገጺን ስምዒት ይፈጥረሎም። ንሓድሕድኩም ብግቡእ ምፍላጥን ምጥቕቓምን ናይ ምርግጋእን ምትእምማንን ስምዒት ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ልሙድ ነገር ምድግጋም ጸገም እዩ ኢልኩም ትሓስቡ እንተ ኮይኩም፡ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ንገዛእ-ርእስኹም ሕተቱ፡
- ስለምንታይ እዩ ዝምድናና ልሙድ ነገር ምድግጋም ኮይኑና፧ ትጽቢታተይ እንታይ እዮም፧ ብዛዕባኡ እንታይ ክቕይርን ክገብርን ይደሊ፧
- ብዛዕባ ትጽቢታተይ ንመጻምድተይ ነጊረዮዶ ነይረ፧
መጻምድኹም ንስኹም ነገራት ክቕየሩ ከምእትደልዩ ዝፈልጡ እንተ ኮይኖም፡ ብሓባር ኮይንኩም ፍታሕ ከተናድዩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ፡ ነቲ ዝምድናኹም ብዝበለጸ ከምዝሕይል ክገብሮ ይኽእል እዩ። ንሓድሕድኩም ግዜ ተወሃሃቡ፡ ከምኡ ድማ ብሓባር ኮንኩም ሓደስቲ ነገራት ክትገብሩ ፈትኑ። ንኣብነት፦ ንግዜኹም ብዙሕ ግዜ ኣብ ገዛ እተሕልፉዎ ዘለኹም ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም፡ ክልቴኹም ብሓባር ደገ ውጽእ በሉ። ብተወሳኺ፡ ናይ ጾታዊ ርክብ ሂወትኩም ተመናዊ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም፡ ገለ ሓድሽ ነገር ፈትኑ። እዚ ኣዝዩ ዘሕጉስን ዘዛኒን ክኸውን ይኽእል።
ልሙድ ነገር ምድግጋም ቀይርኩም ማለት ዝምድናኹም ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ ካብቲ ዝምድና ወጺእኩም ተቐላጢፍኩም ዘሕጉስ ነገር ከተናድዩ ግቡእ ኣይኮነን። እቲ እትደልይዎ ነገር ብጭቡጥ እንታይ ከምዝኾነ ንገዛእ-ርእስኹም ሕተቱ።
ቈልዓ ምውላድ ምስ መጻምድኹም ንዝህልወኩም ዝምድና ክቕይሮ ይኽእል እዩ። ንሓድሕድኩም ግዜ ተወሃሃቡ።