ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-
ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ከተማ
እቲ ናይ ሆላንድ ኣሕጽሮተ-ቓል ጂጂዲ ወይ GGD ናይ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከኣ ሓበራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ማለት እዩ። ኔዘርላንድስ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ዝተመቓቐለት ክትከውን እንከላ ሕድሕድ ዞባ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ሽፋን ኣለዎ። እቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ኣብ ህዝባዊ ጥዕና ናይቲ ህዝቢ ኣድሂቡ እዩ ዝሰርሕ። ቆልዓኹም ከተኽትቡ፣ ናብ ካልእ ሃገር ክትገሹ እንከለኹም ክትክተቡ፣ ወይ ከኣ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ከይህልዉኹም ክትምርመሩ ናብኡ ክትከዱ ትኽእሉ።