ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ህጹጽ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ

እዚ፡ ሓንቲ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀም ዘይትደሊን ከምኡ’ውን ክትጠንስ ዘይትደሊን ጓለንስተይቲ፡ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ምፍጻማ እትወስዶ ከኒና እዩ። ከምኡ’ውን "ናይታ ትቕጽል-ንግሆ ከኒና ተባሂሉ "ይጽዋዕ። እቲ ከኒና፡ ንጽፍዮ እንቋቚሖ ኣደናጕዩ፡ ጥንሲ ናይ ምሓዝ ዘሎ ተኽእሎ ዘጕድልእዩ። እቲ ጓለንስተይቲ፡ ነቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ቀልጢፋ ብዝወሰደቶ መጠን፡ ንኸይትጠንስ ዘለዋ ዕልስ ብኡ መጠን ዝዓበየ እዩ ዝኸውን። እንተተኻኢሉ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክውሰድ  ዝተመርጸ እዩ፡ እንተዀነ፡ ድሕሪ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ክሳብ 3 ወይ 5 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ ክውሰድ ኣለዎ። እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ንኽንደይ መዓልታት እዩ ዝውሰድ ንዝብል ድማ፡ ኣብ ዓይነት ናይ’ቲ ዝውሰድ ከኒና እዩ ዝምርኰስ። ኣብ ቤት መሸጣ መድሃኒት፡ ህጹጽ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን።  ስሩዓት ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ብብዝሒ ዝርከቡ እዮም።