ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ህጹጽ ኩነታት

ቅልጡፍ ተግባር ዝሓትት ኩነታት። ንኣብነት፥ ሓንቲ ጓለነስተይቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከይተጠቕመት ጾታዊ ርክብ እንተፈጺማ’ሞ ጥንሲ ክትሕዝ እንተዘይደልያ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናክትወስድ ኣለዋ። ወይ ሓደ ሰብ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝፍጽም’ሞ ኤችኣይቪ ተለኺፉ ክኸውን ከምዝኽእል እንተሓሲቡ/ባ፡ ሽዑ ንሱ ወይ ንሳ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናይ PEP (post-exposure prophylaxis) ፍወሳ ክወስድ የድልዮ/ያ።