ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-
ጽፍዮ-እንቋቚሖ
እዚ፡ ግዚኣ ዘእከለት 1 ዋህዮ እንቋቚሖ ካብ ማህደረ እንቋቊሖ እትወጻሉ እዋን እዩ። ጽፍዮ እንቋቚሖ፡ 14 መዓልቲ ቅድሚ ምጅማር ናይ’ቲ ዝመጽእ ወርሓዊ ጽግያት ዘጋጥም እዩ። እዚ፡ ኣብ’ቲ ዑደት፡ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ንእንቋቚሖ ናይ ጓለንስተይቲ ከጽግዮ ዝኽእለሉ እንኮ ግዜ እዩ። ዋህዮ እንቋቚሖ፡ ንኣስታት 24 ሰዓታት ጥራይ’ዮም ክነብሩ ዝኽእሉ። ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ን 5 መዓልታት ክነብር ስለዝኽእል፡ መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ እንቋቚሖ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ናብ ጥንሲ ከምርሕ ይኽእል እዩ።