ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጾታዊ መጥቃዕቲ

ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበሃል፡ ነቶም ብተፈጥሮኦም ጾታዊ ዝዀኑ ርእይቶታት፡ ኣካላዊ ምልክታትን ተግባራትን ዝመልከት ኰይኑ፡ ነዚኣቶም ከም መፈራርሒ፡ መጽረፊ፡ መዋረዲ ወይ መጕድኢ ተጠቒምካ ነቲ ግዳይ ምጥቃዕ እዩ። እዚ፡ ብቃላት ወይ ብዘይ ቃላት ወይ ድማ ብዝርአ ባህርያት ክኸውን ይኽእል። ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝብል ቃል፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ኵነታት ስራሕ’ዩ ዝንጸባርረቕ፡ ይኹን’ምበር፡ ሰባት ኣብ ዝእከብሉ ዝኾነ ቦታ፡ ንኣብነት ኣብ ከም ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ኢንተርነት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ቀጥታ መስመር ይኹን ኣብ ዘይቀጥታ መስመር ጾታዊ መጥቃዕቲ ምግባር ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ።