ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-
ፓፒሎማ ቫይረስ ሰብ
እዚ ቫይረስ፡ (ፓፒሎማ ቫይረስ ናይ ደቂ-ሰብ) እዩ። ገለ ዓይነት ፓፒሎማ ቫይረስ ሰብ፡ ናይ ብልዕቲ ጡብ-ኣድጊ፡ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን (ደቀንስትዮ)፡ መንሽሮ መሃንቱስ ወይ መንሽሮ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ኣካላት (ኣብ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን) ወይ ድማ መንሽሮ ኣፍ ወይ ጎረሮ የኸትሉ። ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ካብ 12 ክሳብ 13 ዝዕድሚኦም ኣዋልድን ወዳትን፡ ኣንጻር ፓፒሎማ ቫይረስ ሰብ ናጻ ክታበት (2 መፍርእ) ይፍቀደሎም። እቲ ክታበት ንጾታዊ ርክብ ድሉዋት ቅድሚ ምዃኖም ኣብ ዘሎ ዕድመ እንተተዋህቦም ተመራጺ እዩ። እዚ ክታበት እዚ፡ ካብቶም ንልዕሊ 70% ናይ ማህጸን መንሽሮ ዘስዕቡ ክልተ ሓደገኛታት ዓይነታት ፓፒሎማ ቫይረስ ሰብ ይከላኸል።
ፓፒሎማ ቫይረስ ሰብ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ (STI) እዩ።