ኣብ ኤውሮጳ፣ ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲ ብሕጊ ክልኩልእዩ።
ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ዝኾነ ዓይነት ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲ ዘካየደ፣ ዝሓገዘ ወይከኣ ዘተባብዐ ሰብ (ተሓባባሪ ምዃን) 12 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክብየነሉ ይኽእል እዩ። ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲ ዋላ እታ ጓል ፍቓደኛ እንተኾነት ብሕጊ ክልኩል እዩ። ጓሎም ናብ ካልእ ሃገር ወሲዶም ዘኸንሸቡ ወለዲ ኣብ ኔዘርላንድስ ክቕጽዑ ይኽእሉ እዮም።
እታ ጓል ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኣ እንተኾይና ከኣ እቲ መቕጻዕቲ ዝኸበደ ይኸውን። እዚ ምዝመዛ ህጻን ተጌሩ እዩ ዝውሰድ።
ጉድኣት ናይቲ ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲ ክንደየ ከቢድ ከምዝኾነ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ጓል 18 ዓመት ከብ ትኾኒ ኣትሒዝኪ ክሳዕ ጓል 20 ዓመት ትኾኒ ክሲ ከተእትዊ ትኽእሊ ኢኺ። ዋላ ክትክንሸቢ እንከለኺ ህጻን እንተነበርኪ ሕጂ ክሲ ክትምስርቲ ትኽእሊ ኢኺ። ዕድሜኺ 18 ዓመት ቅድሚ ምምላእኺ ቅድሚ ክንደይ ዓመት ግዳይ ኮይንኪ ክሲ ኣብ ምምስራት ዘሕድሮ ጽልዋ የለን።
ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ኣንጻር ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲ ሕጊ ኣውጺአን እየን። ይኹን እምበር፣ እቲ ሕጊ ኩሉግዜ ኣብ ግብሪ ዘይክውዕል ይኽእል እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድስ፣ኣብዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ተደሪኽኪ ብምኽንያት ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲ ዕቑባ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ:
- ትሕቲ ዕድመ እንተኾንኪሞ ብንጹር ክግለጽ ዝኽእል ናይ ምኽንሻብ ስግኣት እንተሃልዩ;
- ተኸንሺብኪ እንተኾንኪሞ ተወሳኺ ምኽንሻብ ከይፍጸመኪ ትፈርሒ እንተኾንኪ።
ብዘይ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ኣብ ኔዘርላንድስ ትነብሪ እንተሃሊኺ፣ ዋላ ብኻልእ ምኽንያት ዕቑባ እናሓተትኪ እንተጸናሕኺ ብዘየገድስ፣ ኣብዞም ምኽንያታት እዚኦም ተደሪኽኪ ዕቑባ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።
ናይ ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲ ግዳይ እንተኾንኪ ወይከኣ ግዳይ ክኸውን እየ ዝብል ፍርሒ እንተሃልዩኪ፣ Pharos ንዝተባህለ ፍሉይ ደገፍ ወሃቢ ትካል ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ።