Zanzu.nl ብራትጀርስ፡ Arthur van Schendelstraat 696, 3511 MJ, Utrecht ይውነን።

እቶም መርበባት ሓበሬታ www.zanzu.beን www.zanzu.deን (መላገቢ ግዳማዊ እዩ)(መላገቢ ግዳማዊ እዩ) ኣብ ገለ ክፋላት ይፈላለዩ እዮም። ንትሕዝቶ እቲ በልጅማዊ ዓይነት ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ሓላፍነት ዝስከም ሴንሶዋ (Sensoa) እዩ። ንትሕዝቶ እቲ ጀርመናዊ ዓይነት ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ሓላፍነት ዝስከም እቲ ፈደራላዊ ማእከል ንትምህርቲ ጥዕና (BZgA) እዩ።

ራትጀርስ፡ ሆላንዳዊ ማእከል ሞያ ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕናን መሰላትን እዩ ከምኡ'ውን ብምኒስትሪ ጥዕና፡ ድሕነትን ስፖርትን ይምወል። ንመኽሰብ ዝሰርሕ ትካል ኣይኮነን፣ ንግዳዊ ዕላማታት የብሉን።

ጥቅሚ

Rutgers ኩሎም ሓበሬታታቱ ወድዓዊነቶም ዝሓለዉ፣ ኣገደስቲ፣ ትኽክለኛታት፣ ሙሉኣት፣ ንኽትርደኦም ዘየጸግሙን ንጹራትን ክኾኑ ጻዕሪ ይገብር። ይኹን እምበር፣ ዋላኳ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ምግባርና እንተቐጸልና፣ ኩሎም ሓበሬታታት ኩሉግዜ እዞም ረቛሒታት ከማልኡ እዮም ዝብል መረጋገጺ ክንህብ ኣይንኽእልን።

ጻዕርና ንምርድኡ ቀሊል ዝኾነን ሓቃኛን ሓበሬታ ንምቕራብ ስለዝኾነ፣ ንጹርን ቅሉዕን ቛንቋ ክንጥቀም መሪጽና ኣለና። ናይዚ ዕላማ ሕማቕ ንምግባር ዘይኮነስ ኩሎም ነገራት ብዘይ ገለ ሕብእብእ ብስሞም ክጽውዑ ስለእንደሊ እዩ።

Zanzu.nl ብባህሪኡ ሓበሬታዊ እዩ መትካእታ ናይ ዶክተር ምርኣይ ከኣ ኣይኮነን።

Rutgers ኩሎም ቴክኒካዊ ጉድለታት ከወግድ ይፍትን። ይኹን እምበር፣ ፈጺምና ካብ ቴክኒካዊ ጉድለት ናጻ ክንከውን ኢና ኢልና ክንምሕል ኣይንኽእልን። ኩሉግዜ ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ብዝኽኣለና መጠን ብህጹጽ ፍታሕ ክንገብረሎም ኢና ንጽዕር።

ብምኽንያት ምጥቃም Zanzu.nl ወይ ብምኽንያት ዝሓዞ ሓበሬታ ንዘጋጠመ ዝኾነ ቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ዕንወት ራትጀርስ ተሓታቲ ክኸውን ኣይክእል እዩ፡ ነዚ ዝስዕብ ብዘይ ደረት ዘጠቓለለ፥ ኩሉ ክሳራታት፡ ምቊራጻት ስራሕ፡ ዕንወት ናይ ፕሮግራማት ኣብ ኮምፕዩተርካ ወይ ካልእ ኣብኡ ዝተኸዘነ ሓበሬታ፡ ዕንወት መሳርሒታትን ፕሮግራማትን።

ምክልኻል ውልቃዊ ሓበሬታ

Rutgers ንምኽባር ምስጢር ሰባት ልዑል ኣገዳስነት ይህብ።

ሓበሬታ ክትህብ እንድሕር ተሓቲትካ፣ ነቲ ምክልኻል ውልቃዊ ምስጢር ብዝምልከት ብ 8 ታሕሳስ 1992 ዝወጸ ሕጊ ከምኡድማ ኣብ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታን ናጻ ምንቅስቓስ ዳታን ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ሓለዋ ውልቃዊ ዳታ ኤውሮጳዊ ባይቶን ኤውሮጳዊ ቤት-ምኽሪን ብ 95/46/EC 24 ጥቅምቲ 1995 ዘውጽእዎ ሕጋጋትን ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ክንሕዞ።

ውልቃዊ ዳታ ዝእከብ እቲ ዝተሓተተ ሓበሬታ ንምርጓድን እቶም ተደለይቲ ኣገልግሎታት ንምክያድን ጥራይ እዩ። ብዘይ ናትካ ፍቓድ ዋላሓንቲ ሓበሬታ ንሳልሳይ ኣካል ኣሕሊፍና ኣይንህብን። ሓበሬታ ናይ መን ከምዝኾነ ከይገለጽና ኢና ነቐምጦ።

እዚ መርበብ ሓበሬታ ናይ Mollom Web ኣገልግሎት እዩ ዝጥቀም። ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ቅጥዒ እንተልኢኽካ፡ እቲ ዘእተኻዮ ሓበሬታ ንዕላማ ጸረ-ስፓምን ምቁጽጻር ብቕዓትን ክምርመርን ክዕቀብን ምዃኑ ተቐቢልካዮ ኣለኻ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ'ዚ፡ ነዚ ዝስዕብ ርአ Mollom’s Web Service Privacy Policy።

ምኽራዊ ሓሳባት

ሚስጢራዊ ኢልካ ዝለኣኽካልና ምኽራዊ ሓበሬታ ኣይንትንክፎን ኢና። ብዘይካ እቶም ኣብቲ ብ 8 ታሕሳስ 1992 ንውልቃዊምስጢር ዝምልከት ሕጊ ዝተቐመጡ ናይ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ ክልከላታት፣ እዚ ዳታ ጠቓሚ መሲሉ እንተተራእዩና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

ሃይፐርሊንክታትን (Hyperlinks) መወከሲታትን

ሃይፐርሊንክታት ወይከኣ መራኸቢታት ብሳልሳይ ኣካል ናብ ዝመሓደሩ ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ምንጭታት ሓበሬታን ይሰዱኻ። ብዛዕባ ሙሉእነትን ሓቃውነትን ትሕዝቶታት እዞም መርበባት ሓበሬታን ምንጭታት ሓበሬታን መረጋገጺ ክንህብ ኣይንኽእልን። እቶም መራኸቢታት ከም ተወሳኺ ሓበሬታ ክትጥቀመሎም እዮም ዝቐርቡልካ። ብምኽንያት ምጥቃም ወይ ምውካስ እዞም ግዳማዊ መርበባት ሓበሬታን ትሕዝቶታትን ንዝስዕብ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ጉድኣት ዋላሓንቲ ሓላፊነት Rutgers ክወስድ ኣይኽእልን።

ናይ ኣእምሮ ንብረት መሰላት

ኣብቲ ብ 30 ሰነ 1994 ዝወጸ ሕጊ መሰላት ቅዳሕን ተዛመድቲ መሰላትን ተደሪኽካ ምንጪ ብምጥቃስ፣ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ሓበሬታ ክትውከስ፣ እዚ ንውልቃዊ ረብሓኻ ከተውርዶ/ዳውንሎድ ክትገብሮ ከምኡድማ ንዘይንግዳዊ ዕላማታት ከተባዝሖ መሰል ኣለካ።

ንኣብነት፣ እዚ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ጠቒስካ ክትጥቀመሉ ትኽእል: “ናይዚ ጽሑፍ ክፋላት ካብ zanzu.nl ዝተወስዱ እዮም።”

እዚ ፍቓድ'ዚ ነቶም ዝተገልጸ ገደብ ዝተገብረሎም ጽሑፋት ኣይምለክትን'ዩ። ሕብረ-መድያዊ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ወይ ምጥቃም ኩሉግዜ ኣቐዲምካ ፍቓድ ምሕታት የድሊ (ስእልታት፡ ድምጽታት፡ሶፍትወይር ወዘተ.)። ንተወሳኺ ዝርዝራት ናብዚ ኢመይል webmaster@sensoa.be ክትሰዱ ብትሕትና ንሕብር።

Rutgers ነቲ መርበብ ሓበሬታን ንሱ ዝሓዞም ሓበሬታታትን ብዝምልከት ሙሉእ ናይ ኣእምሮ ንብረት መሰላት ኣለዎ።

ዘይምቅድዳው፡ክትዕ

ብዛዕባ ኣገልግሎታትና ዝኾነ መረረታት እንተልይኩም፡ እቲ ናይ ጥርዓን/መረረ ቅጥዒ ክትመልእዎ ንሕብር። ብቋንቋ ሆላንድ ወይ እንግሊዝ ንዝቐረበ መረረታት ጥራይ ኢና ንርኢ። ንዓይነት መረረኻን እንታይ ኣጋጢሙን ክንምርምሮ ኢና። ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍና መልሲ ክንህብ ኢና ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ መልሲ ክንህበካ ኢና። እንተኾነ ግን፡ እቲ መረረ ንኽምርመር ግዜ ዝወስድ ምስ ዝኸውን እዚ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ሽዑ ክንሕብረካ ኢና። ብዘዕግብ መንገዲ ብመሰረት እቲ መረረ እንተተመሊሱ ወይ ኩሉ ከምዝተዓረየ እንተሓቢርካና ጉዳይ እቲ መረረ ከምዝተፈትሐ ኢና ንቖጽሮ።

እዚ ብኦንላይን ዝግበር ውዕልን ኩሎም ካብ ምጥቃም እዚ መርበብ ሓበሬታን ንሱ ዝሓዞም ሓበሬታታትን ዝምንጭዉ ግርጭታትን ብሕጊ በልጄም እዮም ዝዳነዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ከም መወከሲ ክትጥቀመሉ እንከለኻ ምስኡ ተታሓሒዞም ዝፍጠሩ ጸገማት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ኣንቲዋፕ (Antwerp) በልጄም ጥራይ ከምዝረኣዩን ዝኾነ ነዚ ዝምልከት ጉዳይ ናብዞም ቅድም ክብል ዝተጠቕሱ ኣብያተ-ፍርዲ ጥራይ ከምዝኾንካ እተቕርቦምን ክትፈልጥ ኣለካ።

እዚ መርበብ ሓበሬታ ክትጥቀም እንከለኻ፣ እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ውዕላትን ኩነታትን ትቕበል ኣለኻ ማለት እዩ።