ብዛዕባ ናይ ወሲብ ህይወትኪን ርክብኪን ሕቶታት እንተሃልዮምኺ፣ ንእተፈላለዩ ናይ ጥዕና ሞያውያን ከተዘራርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሉሻብ መጀመርያ ና በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ኢኺ ክትዲ ዘለኪ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ናብ ስፔሻሊትስት ክሰደኪ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም፣ መሕረሲት፣ (ጾታዊ) ቴራፒስት ወይከኣ ናብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሞያዊ።

ናብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሞያዊ/ናብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ቴራፒስት ኣብ ጭንቀት እንተሃኺ፣ ምስ ኤችኣይቪ እንድሕር ትነብሪ ወይከኣ ኣብ ርክብኪ ጸገማት እንተሃልዮምኺ ደገፍ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ

ሰበይቲ ምስ ሓኪም እናተዘራረበት

ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ እንታይ ትዘራረቢ፧

ዳርጋ ብዛዕባ ኩሎም ሚስጢራዊ ጉዳያትኪ ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት:

ምስ ባዓል ሞያ ጥዕና ከመይ ትዘራረቢ

ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ክትዘራረቢ እንተደሊኺ፣ እዞም ምኽታት ክጠቕሙኺ ይኽእሉ እዮም:

  • ብዛዕባ እቶም ክትዛተይሎም ወይከኣ ክትሓትዮም እትደልዪ ዛዕባታት ሕሰቢ።
  • ካብቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እንታይ ከምትደልዪ ሕሰቢ። ንኣብነት: ማዕዳ ዲኺ ትደልዪ፣ ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ምርመራ ዲኺ ትደልዪ ዋላስ ናብ ክኢላ ክትለኣኺ ኢኺ ትደልዪ፧
  • ክትዛረብሉ ዝኸብደኪ ኣርእስቲ እንተኾይኑ ኣነጽሪ።
  • ጼገማትኪ ወይ ሕቶታትኪ ብዝተኻእለ መጠን ንጹራት ክኾኑ ኣለዎም። ንኣብነት: "ኣነ ኣብ ውትራን ናይ ምብጻሕ ጸገም ኣለኒ።"
  • ብዛዕባ እትጥቀምሎም ቃላት ሕሰቢ። ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ማህደር ቃላት ክጠቕመኪ ይኽእል እዩ።
  • ንእትኣምንዮ ሰብ ብምዝራብ እውን ደገፍ/ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ብዛዕባ ሚስጢራዊ ጉዳያትካ ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ምዝርራብ ከቢድ እዩ፣ ይኹን እምበር ናይ ስራሖም ኣካል እዩ። ብዛዕባ እዞም ኣርእስቲ ዓሚቕ ፍልጠት ኣለዎም።

ሰብኣይ ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ እናተዘራረበ።

ስትረት

ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ክትዘራረብ እንከለኻ ስትረትካ ዝተሓለወ እዩ። ሞያውያን ንስኻ ዝሃብካዮም ሓበሬታ ንካልእ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይኽእሉን።

ናይ ጥዕና ሞያዊ ንስኻ ዝነገርካዮ/ሓበሬታ ንካልእ ኣኽሊፉ ክህብ ኣይኽእልን።

Als u vragen heeft over uw seksleven of relatie of als u een probleem heeft, kunt u met verschillende zorgverleners praten, zoals een dokterverpleegkundigegynaecoloog, verloskundige, seksuoloog, therapeut, psycholoog. U gaat altijd eerst naar uw huisarts

Indien nodig kan de zorgverlener u doorverwijzen naar een specialist. Een psycholoog/psychotherapeut kan u helpen als u kampt met een depressie, leeft met hiv, relatieproblemen heeft …
 

Een vrouw praat met een dokter

Waarover kunt u praten met een zorgverlener?

U kunt bijna elk intiem onderwerp bespreken met een zorgverlener. Voorbeelden hiervan zijn:

Hoe praten met een zorgverlener?

Als u met een zorgverlener wilt praten, kunnen de volgende tips handig zijn:

  • Denk na over het probleem of de vraag die u wilt bespreken.
  • Denk na over wat u wilt van de zorgverlener. Wilt u advies, een soa-test, een doorverwijzing naar een specialist…
  • Laat het duidelijk merken als het u moeilijk vindt om over het onderwerp te praten.
  • Beschrijf het probleem of de vraag zo specifiek mogelijk. Bijvoorbeeld: "Ik kan geen erectie krijgen."
  • Denk na over welke woorden u zult gebruiken. Het woordenboek op deze website kan u hierbij helpen.
  • U kunt iemand die u vertrouwt meenemen zodat hij/zij u kan helpen.

Vaak lijkt het moeilijk om met een zorgverlener over een intiem onderwerp te praten, maar vergeet niet dat dit een deel uitmaakt van hun takenpakket. Zij zijn erg vertrouwd met deze onderwerpen.

Man praat met een zorgverlener.

Privacy

Uw privacy wordt altijd gerespecteerd wanneer u met een zorgverlener praat. Professionele zorgverleners mogen de informatie die u hen vertelt niet delen met anderen.

Een zorgverlener mag de informatie die u hem/haar vertelt niet delen met anderen.

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
በዓልሞያ ስነ-ወሲብ
ንወሲባዊ ጸገማት ዝምልከት ደገፍ ንምርካብ ናብ ናይ ወሲብ ሓኪም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እዚ በቲ ስሩዕ ናይ ጥዕና መድሕን ፓኬጅ (basisverzekering) ኣይሽፈንን። ምናልባሽ ተወሳኺ መድሕን እንተሃልዩካ ክሽፈን ይኽእል።
ብስጋዊ-ርክብ ብዝመሓላለፍ ረኽሲ ኤድስ ናይ ኔዘርላንድ(Soa Aids Nederland)
ብስጋዊ-ርክብ ብዝመሓላለፍ ረኽሲ ተጠቒዐ ኣለኹ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለካ፣ ክትምርመር ኣለካ። ንኣገልግሎታት ምርመራን ክታበትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ዝምልከቱ ኣድራሻታት።
Sense.info
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ፣ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወሲባዊነትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ሕቶታት ን Sense ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብኢሜይል፣ ብተሌፎን፣ ብኦንላይን ወግዒ ወይከኣ ንናይ Sense ናይ ማዕዳ ሰዓታት ቆጸራ ብምሓዝን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ።
ናይ ማህጸን ሓኪም
ጥንስቲ እንኾንኪ’ሞ ሪፈር እንድሕር ተባሂልኪ፣ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ትኸዲ። እታ መሕረሲት ወይከኣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና መወከሲ ወይ ሪፈራል ይህቡኺ።
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
ናይ ጥዕና በዓልሞያ ርኸብ