ሰባት ኤችኣይቪ ካብ ዘለዎም ሰባት ብዝወጹ ናይ ሰውነት ፈሰስቲ ኤችኣይቪ ክሓልፎም ይኽእል። ኤችኣይቪ በዞም ዝስዕቡ መንገዲታት ክሓላለፍ ይኽእል:
- ናይ ዘርኢ ፈሳሲ;
- ናይ ርሕሚ ፈሳሲ;
- ደም;
- ጸባ-ጡብ።
ኤችኣይቪ ዘለዎ ናይ ርሕሚ ፈሳሲን ደምን ናይ ወርሓዊ ጽግያት በቲ ዕንጓር መሰል ፈሳሲ ናይ ማሃንቱስ፣ ኣንፊ ናይ መትሎ፣ ርሕሚ ከምኡድማ ኣፍ ኣቢሉ ክኣትወኩም ይኽእል እዩ።
ብተወሳኺ እቲ ብኤችኣይቪ ዝተበከለ ደም ብ ብበላሕቲ ነገራት ወይከኣ ደም ብምቕባል እውን ክሓልፈኩም ይኽእል። ኣብ ኤውሮጳ ስግግር ደም ቅድሚ ምግባሩ እቲ ደም ስለዝምርመር ኤችኣይቪ ብስግግር ደም ናይ ምትሕልላፍ ዕድሉ ዳልርጋ ዘየለ እዩ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኤችኣይቪ በዞም ዝስዕቡ መንገዲታት ክሓላለፍ ይኽእል ብጸባ ጡብ እንድሕር መጥበዊት ኮንኪ።
ኤችኣይቪ ብንትፍታፍ ኣይመሓላለፍን።
ሰባት ብወሲብ ከምኡድማ ብኻልእ መተሓላለፍቲ መንገዲታት ኤችኣይቪ ክተሓዙ ይኽእሉ።
ብወሲብ ምትሕልላፍ
- ኤችኣይቪ ምስዘለዎ ሰብ ብዘይ ኮንዶም ርሕሚ ወሲብ ወይ ብናይ ማሃንቱስ ወሲብ ብምፍጻም።
- ብናይ ኣፍ ወሲብ ኤችኣይቪ ናይ ምትሓዝ ስግኣ-ሓደጋ ኣዝዩ ትሑት እዩ (ናይቲ ብኤች ኣይቪ ዝተታሕዘ ሰብ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ወይከኣ ደም ኣብ ኣፍካ ብዝርከብ ቁስሊ ኣቢሉ ናብ ደምካ ክሕወስ እንተዘይክኢሉ)።
ግቡእ ሕክምና እንተተጌሩሉ፣ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ዋላ ብዘይ ኮንዶም ወሲብ እንተፈጸመ ኤችኣይቪ ናብ ካልእ ከሕልፈሉ ኣብ ዘይኽእል ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል እዩ።
ካልኦት መተሓላላፍቲ መንገዲታት
ብማሕበራዊ ምትንኻፍ ኣይሓልፍን
ብማሕበራዊ ምትንኻፍ ኤችኣይቪ ክመሓላላፍ ኣይኽእልን። ንኣብነት: ብርጭቆ ወይከኣ ሸሓነ ምስ ካልእ ሰብ ብሓባር ብምጥቃም፣ ምስ ካልእ ሰብ ብምትንኻፍ፣ ንኻልእ ሰብ ብምስዓም ወይከኣ ንካልእ ሰብ ፍሬንች ኪስ ብምሃብኣይሓልፍን።
ሰባት ኤችኣይቪ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዓይንኻ ርኢኻ /ምፍላጥ ኣይከኣልን።
ምክልኻል ኤችኣይቪ
ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ሕክምና እንዘይተጌሩሎም ናብ ካልኦት ሰባት ከተሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ሰባት ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ኣይፈልጡን እዮም። ንገዛእ-ርእስኻ ተኸላኸል ኣብ እዋንወሲብ ኮንዶም ተጠቐም።