ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ዋህዮታት እንቋቑሖ ኣብ ማህደር እንቋቑሖ ይቕመጡ። ኣብ ሕድሕድ ወርሒ መዓልቱ ዝኣኸለ ዋህዮ እንቋቑሖ ካብ ማህደር እንቋቑሖ ይወጽእ። እዚ ጽፍዮ-እንቋቑሖተባሂሉ ይጽዋዕ።
እቲ ሻምቡቆ ማህጸን ነቲ ዋህዮ እንቋቑሖ ናብ ማህጸንይወስዶ። ናይታ ጓል-ኣነስተይቲ ማህጸን ንጥንሲ ይዳሎ: እቲ ኣብ ማህጸን ዝርከብ ልፋጫዊ መምብሬን ዝጸገየ ዋህዮ እንቋቑሖ ክቕበል ናብ ዝኽእለሉ ደረጃ ይዓቢ። እቲ ረቂቕ ሽፋን (membrane) ከም ሰፈር ናይቲ ዋህዮ እንቋቑሖ (ተኸላ)ኮይኑ የገልግል።
እቲ ዋህዮ እንቋቑሖ ክራባሕ እንተዘይክኢሉ፣ እታ ኣደ ኣይጠነሰትን ማለት እዩ። እቲ mucous membrane ከምኡድማ ደም ካብ ማህጸን ይወጽእ። ብብልዕቲ ጓል-ኣነስተይቲ ጌሮም ካብቲ ሰውነት ይወጹ። እዚ ናይ ወርሓዊ ጽግያትግዜ ይበሃል።
ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜ ካብ 3 ክሳብ 7 መዓልቲ ይጸንሕ። ዝጸንሓሉ ንውሓት ግዜ ኣብ ሕድሕድ ጓል-ኣነስተይቲ ዝተፈላለየ እዩ።
ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜ ክጅምር እንከሎ እቲ mucous membrane ከምብሓድሽ ክዓቢ ይጅምርሞ ሓዲሽ ዑደት ይጅመር።
እታ ጓል-ኣነስተይቲ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዝፍጠር ደም ንምምጣጥ ታምፑን ወይከኣ ናይ ጽሬት ፎጣ ክትጥቀም ትኽእል።
ፈላማይ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜ
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጉርዝናአን ማለትብሓፈሻ ካብ 11 ክሳብ 15 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ ንጥንሲ ድሉዋት ይኾና። ካብኡ ጀሚረን ቆልዓ ክወልዳ ይኽእላ እየን። ሓንቲ ጓል ፈላማይ ጽፍዮ እንቋቑሖ ካብ ዝረኣየቱሉ ግዜ ኣትሒዛ ንጥንሲ ድልውቲ ስለትኸውን፣ ፈላማይ ወርሓዊ ጽግያታ ቅድሚ ምጅማሩ ክትጠንስ ትኽእል እያ። እቲ ዋህዮ እንቁላሕ ናብ ፍርያት እንድሕር ዘይተቐይሩ፣ ፈላማይ ወርሓዊ ጽግያት ይረኣያ። ዋላ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ስጋዊ-ርክብ ዝገበረትሉ ግዜ ክትጠንስ ትኽእል እያ።
ንጽፈተ-ጽግያት: ወርሓዊ ጽግያት ዘብቀዓሉ ግዜ
ሓንቲ ሰበይቲ ካብ 45 ክሳብ 55 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ ወርሓዊ ጽግያት ተቋርጽ። እቲ ትኽክለኛ ዕድመ ከከም ሰቡ ስለዝፈላለ እዚ እዩ ኢልካ ምቕማጥ ኣይከኣልን። እዚ ንጽፈተ-ጽግያት ይበሃል። ሓንቲ ሰበይቲ ድሕሪ ንጽፈተ-ጽግያት ክትጠንስ ኣይትኽእልን።
ንጽፈተ-ጽግያት ኣብ ዝጀማምረሉ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዝረኣየሉ ግዜ ዝተመዛብዐ እዩ ዝኸውን። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ፈጺሙ የቋርጽ። እቲ ንጽፈተ-ጽግያት ካብ ክልተ ወርሒ ክሳዕ ብዙሕ ዓመታት ክጸንሕ ይኽእል።
እቲ ንጽፈተ-ጽግያት ኣብ ምፍልፋል ሆርሞናት ጓል-ኣነስተይቲ ለውጢ ይፈጥር። ገለ ኣንስቲ ዘይምቹእነት ክስመዐን ይኽእል። ንኣብነት: hot flushes, mood swings, insomnia, ጠመተ ምስኣን፣ ሕማም ርእሲን ድኻምን።
መከላኸሊ ጥንሲ
ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ mucous membrane ኣብ ማህጸን ከይዓቢ ይኽልክሉ ወይከኣ ዋህዮ እንቋቑሖ ከይዓቢ (ጽፍዮ እንቋቑሖ) ይከላኸሉ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እታ ሰበይቲ ኣይትደሚን፣ ወይከኣ ቁሩብ ጥራይ ትደሚ።
ስጋዊ-ርክብ
ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜአን ስጋዊ-ርክብ ክገብራ ይደልያ፣ ገሌአን ከኣ ኣይደልያን። ጓል ኣንስተይቲ እንተድኣ ደልያ ኣብ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜኣ ስጋዊ -ርክብ ክትፍጽም ትኽእል እያ። ናይ ጽሬት ጸገማት ኣይፈጥርን።
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ እትጸግየሉ እዋን እንተሃልያም ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያታ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ እንተጌራ ክትጠንስ ትኽእል እያ። ኣብቲ እዋን ንሱ ቆልዑት ክትወልዲ ድሌት እንድሕር ዘይብልኪ፣ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሚ።