ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ

ኣብ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ እቲ ህጻን ብናይ ኣዲኡ ርሕሚ ይውለድ። መብዛሕትኦም ህጻውንቲ በዚ መንገዲ እዮም ዝውለዱ።

ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ: ኣደ ቆልዓ እናወለደት።

መጥባሕታዊ ሕርሲ: ብኸብዲ ምውላድ

መጥባሕታዊ ሕርሲ ብወተሳኺ ብኸብዲ ምውላድ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ። እቲ ሓኪም ናይታ ኣደ ከብዲ ቀዲዱ ነቲ ቆልዓ የውጽኦ። እቲ መጥባሕቲ ካብቲ ናይ ርሕሚ ጸጉሪ ልዕል ኢሉ እዩ ዝካየድ።

 

መጥባሕታዊ ሕርሲ: ቆልዓ ንምውጻእ ኣብ ከብዲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም።

ቆልዓ ከብዲ ጠቢሕኻ ክወጽእ ዝግበረሉ ምኽንያት

ከብዲ ቀዲድካ ቆልዓ ክወጽእ ካብ ዝግበረሎም ምኽንያታት እቶም እተወሰኑ እዞም ዝስዕቡ እዮም:

  • ናይታ ኣደ ጎሎ ቆልዓ ንምውጻእ ኣዝዩ ዝጸብብ እንተኾይኑ;
  • እቲ መዳሕንቲ ኣብ ኣፍ ማህጸን (ክሳድ ማህጸን) እንተኾይኑ ዘሎ ወይከኣ እቲ መዳሕንቲ እንድሕር ተላቒቑ;
  • ክፋል ናይቲ ዕትብቲ በቲ ክሳድ ማህጸን ጎሩ እንድሕሪ ወጺኡ;
  • ርእሲ ናይቲ ዕሸል ንቑልቁል እንድሕር ዘይኮይኑ;
  • ልዕሊ 1 ህጻውንቲ እንተኾይኖም;
  • ኣደ ወይከኣ እቲ ዕሸል ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ሕርሲ ክካየድ ዘየኽእል ሕማም እንተሃልዩዎም።

ጥንስቲ ምዃን

Natuurlijke bevalling

Bij een natuurlijke bevalling wordt de baby spontaan geboren via de vagina van de moeder. De meeste baby’s worden op deze manier geboren. 

Natuurlijke bevalling: vrouw bevalt van haar baby

Bevalling met een operatie: keizersnede

Een bevalling met een operatie wordt keizersnede genoemd. De dokter maakt met een snee een opening in de buik van de moeder om de baby eruit te halen. De snee bevindt zich juist boven het schaamhaar

 

Bevalling met een operatie: dokter voert een keizersnede uit.

Redenen voor een keizersnede

De meest voorkomende redenen voor een keizersnede zijn:

  • Het bekken van de moeder is te smal om de baby door te laten;
  • De moederkoek ligt voor de ingang van de baarmoeder (baarmoederhals) of de moederkoek komt los. 
  • Een stuk van de navelstreng is door de baarmoederhals naar buiten gekomen;
  • Het hoofdje van de baby ligt niet naar beneden; 
  • Meer dan 1 baby moet worden geboren;
  • De moeder of het kind heeft een ziekte die een natuurlijke bevalling onmogelijk maakt.

Zwanger in Nederland; naar de verloskundige

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
ናይ ማህጸን ሓኪም
ጥንስቲ እንኾንኪ’ሞ ሪፈር እንድሕር ተባሂልኪ፣ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ትኸዲ። እታ መሕረሲት ወይከኣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና መወከሲ ወይ ሪፈራል ይህቡኺ።
ናይ ጥዕና በዓልሞያ ርኸብ