ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ
ኣብ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ እቲ ህጻን ብናይ ኣዲኡ ርሕሚ ይውለድ። መብዛሕትኦም ህጻውንቲ በዚ መንገዲ እዮም ዝውለዱ።
መጥባሕታዊ ሕርሲ: ብኸብዲ ምውላድ
መጥባሕታዊ ሕርሲ ብወተሳኺ ብኸብዲ ምውላድ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ። እቲ ሓኪም ናይታ ኣደ ከብዲ ቀዲዱ ነቲ ቆልዓ የውጽኦ። እቲ መጥባሕቲ ካብቲ ናይ ርሕሚ ጸጉሪ ልዕል ኢሉ እዩ ዝካየድ።
ቆልዓ ከብዲ ጠቢሕኻ ክወጽእ ዝግበረሉ ምኽንያት
ከብዲ ቀዲድካ ቆልዓ ክወጽእ ካብ ዝግበረሎም ምኽንያታት እቶም እተወሰኑ እዞም ዝስዕቡ እዮም:
ጥንስቲ ምዃን
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
ናይ ማህጸን ሓኪም
ጥንስቲ እንኾንኪ’ሞ ሪፈር እንድሕር ተባሂልኪ፣ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ትኸዲ። እታ መሕረሲት ወይከኣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና መወከሲ ወይ ሪፈራል ይህቡኺ።