ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

ሰብ ሞያ ጥዕና ዝርከቡሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ናይ ርክብ ሓበሬታታት ብቴማ ክትጾምቆም ትኽእል ኢኻ።

Wij zijn proud
ሞያዊ ማሕበር ሸራሙጥ።
ህጹጽ ኣጋጣሚ
ህጹጽ ረድኤት ሕክምና እንድሕር ዘድልየካ ብ 112 ደውል።
112
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
መኻንነት
ብተፈጥሮኺ ክትጠንሲ እንድሕር ዘይትኽእሊ፣ ናብ ማእከል ምስሳን ውላድ (fertility centre) ኪዲ።
ምብርዓን ጥንሲ
ጥንስኺ ሃንደበት ኣብተን ናይ መጀመርያ ሰለስተ ኣዋርሕ እንድሕር ተቛሪጹ፣ ምብርዓን ጥንሲ ኣጋጢሙኪ ማለት እዩ። እዚ ከጋጥም እንከሎ ምስ መሕረሲትኪ ወይ ምስ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ተዘራረቢ።
ምንጻል ጥንሲ
ዘይተደልየ ጥንሲ እንተጋጢሙኪሞ እቲ ጥንሲ ክቕጽል ዘይትደልዪዮ እንተኾንኪ ብሕክምና ክትንጽልዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ምኽንሻብ ዝካየደሉ ማእከል
ማእከል ምኽንሻብ ደች ናይ ኣወዳትን ሰብኡትን ምኽንሻብ የካይድ።
ሮዝ ብሰማያዊ
ለዝቢያንስ፣ ግብረሰዶማውያን ኣወዳትን ኣይጓልኣይወዲን ሪፖርት ዝገብሩሉ ጣብያ ፖሊስ።
ቆልዓኻ ንናበይቲ ምሃብ - 'foundling rooms'
ኣብ "ሕቡእ ክፍሊ መሕደጊ ቆልዑት" (vondelingenkamer)፣ መንነትኩም ሓቢእኹም ቆልዓኹም ንናበይቲ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ቆልዓኻ ንናበይቲ ምሃብ - Fiom
ቆልዓኹም ንናበይቲ ክትህቡዶ ትደልዩ፧ ንደገፍን ማዕዳን ናብ Fiom ደውሉ።
088-1264900
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
በዓልሞያ ስነ-ወሲብ
ንወሲባዊ ጸገማት ዝምልከት ደገፍ ንምርካብ ናብ ናይ ወሲብ ሓኪም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እዚ በቲ ስሩዕ ናይ ጥዕና መድሕን ፓኬጅ (basisverzekering) ኣይሽፈንን። ምናልባሽ ተወሳኺ መድሕን እንተሃልዩካ ክሽፈን ይኽእል።

Pages