ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
ሰብ ሞያ ጥዕና ዝርከቡሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ናይ ርክብ ሓበሬታታት ብቴማ ክትጾምቆም ትኽእል ኢኻ።
ህጹጽ ኣጋጣሚ
ህጹጽ ረድኤት ሕክምና እንድሕር ዘድልየካ ብ 112 ደውል።
112
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
ምብርዓን ጥንሲ
ጥንስኺ ሃንደበት ኣብተን ናይ መጀመርያ ሰለስተ ኣዋርሕ እንድሕር ተቛሪጹ፣ ምብርዓን ጥንሲ ኣጋጢሙኪ ማለት እዩ። እዚ ከጋጥም እንከሎ ምስ መሕረሲትኪ ወይ ምስ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ተዘራረቢ።
ቆልዓኻ ንናበይቲ ምሃብ - 'foundling rooms'
ኣብ "ሕቡእ ክፍሊ መሕደጊ ቆልዑት" (vondelingenkamer)፣ መንነትኩም ሓቢእኹም ቆልዓኹም ንናበይቲ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም።
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
በዓልሞያ ስነ-ወሲብ
ንወሲባዊ ጸገማት ዝምልከት ደገፍ ንምርካብ ናብ ናይ ወሲብ ሓኪም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እዚ በቲ ስሩዕ ናይ ጥዕና መድሕን ፓኬጅ (basisverzekering) ኣይሽፈንን። ምናልባሽ ተወሳኺ መድሕን እንተሃልዩካ ክሽፈን ይኽእል።